ኣፍሪቃ 'ኣብ 15-20 ዓመታት' ዋንጫ ዓለም ክትዕወት ትኽእል'ያ
ኣፍሪቃ "ኣብ ውሽጢ 15-20 ዓመታት" ዋንጫ ዓለም ክትዕወት እያ ክብል እቲ ካብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ኣሰልጣኒ ንላዕሊ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዕላማ ንምትግባር ዝቐረበ ሞሮካዊ ኣሰልጣኒ ዋሊድ ሬግራጊ ተዛሪቡ።
ኣትላስ ላዮንስ (ኣናብስ ኣትላስ) ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሬግራጊ፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ዝበቕዐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ በታ 2ይቲ ዝወጸት ፈረንሳ ከምዝተሳዕረት ይዝከር።
እዚ ወዲ 47 ዓመት፡ ኣፍሪቃ ካብ 2026 ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ልዕሊ ሓሙሽተ ወከልቲ ብምውናን ኣብ መጻኢ ክትድልድል ምዃና ይኣምን።
"ኣብ ውሽጢ 15-20 ዓመታት፡ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ዋንጫ ዓለም ከም እትዕወት ርግጸኛ እየ። ምኽንያቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ እናተሳተፍና ዝያዳ ክንመሃር ኢና” ዝበለ እቲ ኣሰልጣኒ ስለዝዀነ ድማ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ኣብ ውሽጦም ከምዝሰርጽ ገሊጹ።
ኣፍሪቃ ካብ 1994 ጀሚራ ንመጻረዪ ሓሊፈን ናብ ግጥማት ዝቐርባ ናይ ሓሙሽተ ጋንታታት ኮታ ኣለዋ፤ እዚ ካብታ ብ13 ሃገራት እትውከል ኣውሮጳ ዝወሓደ ክኸውን ከሎ ካብታ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ዘለውኣ ደቡብ ኣሜሪካ ብሓንቲ ትዛይድ።
ጋንታታት እታ ኣህጉር ብዙሕ ግዜ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምብጻሕ ይፍተና ነይረን። ካብ 1994 ጀሚሩ ወትሩ ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ ጥራሕ ክተብቅዕ ዝፀንሐት ኰይና፡ ኣብ 2014ን 2022ን ግን ክልተ ጋንታታት ሰጊረን።
"ከም ጋንታታት ኣፍሪቃ ዘለና ጸገም፡ ወትሩ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ እዩ ትዅረትና። ግን ከኣ ግብጺ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክትሳተፍ ኣይከኣለትን፤ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማሊ ወዘተ'ውን ኣይከኣላን" ይብል እዚ ሞሮካዊ ተጻዋታይ ነበር።
"ስለዚ፡ ኵልግዜ፡ ኣንጻር ነንሕድሕድና ስለ እንገጥም (ንምሕላፍ)፡ ዝያዳ ዝተሓላለኸ'ዩ (ተመኵሮ ዋንጫ ዓለም ንምህናጽ)" ክብል’ውን ወሲኹ ይገልፅ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ "(ጆሴ) ሞሪኖ - ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ እንከሎ - ብዛዕባ ዲኤንኤ ናይታ ክለብ ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ዓይነት ነገር ግን ንሃገራውያን ጋንታታት'ውን ዝገልፅ ይመስለኒ" ክብል ይዛረብ።
"ስለምንታይ እየን ኵሉ ግዜ ጋንታታት ኣውሮጳ ጥራይ (ኣብ ቀጻሊ መድረኻት ዋንጫ ዓለም ዝበጽሓ?) ክሮኤሽያ - ስለምንታይ ስዒሮምና ሳልሳይ ደረጃ ረኺቦም? ኣብዚ ውድድር ዝያዳ ተመኵሮ ስለዘለዎም፡ ኵሉ ግዜ ናብ ዋንጫ ዓለም ይሓልፉ" ኢሉ።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋንጫ ዓለም ምስታፍ ከምኡ'ውን ከምዚ ዓይነት ጸወታታት ደጋጊምካ ምጽዋት ተመኵሮ ክትረክብ መንእሰያት ተጻወትቲ እውን ክመሃሩ ይገብር። ተጻወትኻ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ብቝዓት ኰይኖም ክምለሱ የኽእሎም"
ሞሮኮ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ዝቐረበት ኰይና፡ ሎሚ ዓመት ድማ ተመሊሳ ኣዝዩ ዘገርም ብቕዓት ኣርእያ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኻ ብ1994 ከምኡ’ውን 1998 ተኸታታሊ ተሳትፎ ምግበራ ይዝከር። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ 2018ን ሎሚን ብተኸታታሊ ተሳቲፋ።
ሞሮኮ ኣብቲ ቐጠር ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ንሰለስተ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ደረጃ ዘለወን ጋንታታት ማለት ቤልጅየም (2)፡ ስጳኛ (7)፡ ፖርቱጋል (9) ክትስዕር ከላ፡ ምስ ክሮኤሽያ ድማ ኣብ ናይ ምድብ ፀዋታ ብማዕረ ብምፍልላይ ኣዝዩ ዘገርም ብቕዓት ኣርእያላ።
“ኣብ ሓደ ውድድር ክልተ ግዜ ምስ ክሮኤሽያ ክንጻወት ብምኽኣልና ንዓመታት ዝኸውን ተመኵሮ ክንረክብ ክኢልና ኣለና” ክብል ኣሰልጣኒ ሞሮኮ ይዛረብ።
"ምስ ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ ቤልጅየምን ካናዳን ክትጻወት፡ ፍሉይ'ዩ - ኵሎም ዓበይቲ ጸወታታት'ዮም"
ሞሮኮ ኣብ ቐጠር ኣብ ዘካየደቶም ቀዳሞት 5 ጸወታታት፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ እያ ኣብ ልዕሊኣ ተቘጺራ፣ ብቕድሚ’ቲ ኣንጻር ክሮኤሽያውያን ንደረጃ ዝገበረቶን 2 ብ 1 ዝተሳዕረትሉን ጸወታ፡ ብፈረንሳ 2ብ0 ከምዝተሰዓረት ይዝከር።
ዋላ'ኳ ኣሰልጣኒ ሬግራጊ፡ ጋንታኡ ናብ መዛዘሚ ውድድር ወይ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ክትከውን ብዘይምኽኣላ እንተሓዘነ፡ ዕብየት ዓወታት ጋንታኡ ኣብ ቀረባ እዋን ምምሕያሽ ከምዘርኢ ትጽቢት ይገብር።
"ሓሪቕና ኣለና ግን ልክዕ ምስ ተበራበርና ኣብ እንታይ ደረጃ ከም ዝበጻሕና ክንርዳእ" ኢሉ።
"ድሕሪ መዛዘሚ ጸወታ፡ ነገራት ክንግምግሞም ኢና፡ ብቕዓት ሞሮኮ ድማ ፍሉይ ምንባሩ ክንርዳእ ኢና። ሕጂ፡ ኣብ ልዕለና ዝያዳ ጸቕጢ ክህሉ'ዩ" ክብል’ውን ተዛሪቡ።
እቲ ኣሰልጣኒ፡ ዝተረፋ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታትት እታ ኣህጉር'ውን ንመጻኢ ኣብ ትሕቲ ዝያዳ ክትትል ከምዝኣትዋ ምሉእ ትጽቢት ኣለዎ።
"ሕጂ ኻልኦት ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ከምቲ ንሕና ዝበጻሕናዮ ንክኸዳ ዝያዳ ትጽቢት ክህሉ'ዩ" ዝበለ እቲ ኣሰልጣኒ፡ ሞሮኮ (ጋንታታት ኣፍሪቃ) ዓቕሚ ከምዘለወንን ርሑቕ ከምዘይኮናን ከምዘርኣየት ሓቢሩ’ሎ።
“ኣብ መንጐ ጋንታታት ኣውሮጳን ጋንታታት ኣፍሪቃን ዘሎ ፍልልይ ካብ ዝዀነ እዋን ዝጸበበ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "እዚ ንዅዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ናይ ብሓቂ ዘተባብዕ ክኸውን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available