ካብ ጽምብል ጥምቀት ክሳብ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ናይዚ ሰሙን ውቁባት ኣሳእል ኣፍሪቃውያን

ምንጪ ስእሊ, TIKSA NEGERI/REUTERS

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳም 11 ጥሪ 2016 ኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ዝተኻየደ ጽምብል በዓል ጥምቀት ክሳብ ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዘሕለፍናዮ ሰሙን ብዙሓት ፍጻመታት ተራእዮም እዮም።

ገለ ካብቶም ካብ 19- 25 ጥሪ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ድማ ብዞም ዝስዕቡ ውቁባት ኣሳእል ተሰኒዶም ኣለዉ’ሞ ተዓደሙታ...

ምንጪ ስእሊ, SIA KAMBOU/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ደገፍቲ ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ሎረን ፖኮው ሞሮኮ ኣንጻር ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክትገጥም ይዕዘቡ...

ምንጪ ስእሊ, FRANCK FIFE/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ንጽባሒቱ ናይጀርያ ኣብ ምድብ ጸወታ ንጊኒ-ቢሳው ረቲዓ ናብ ዙር 16 ሓሊፋ...

ምንጪ ስእሊ, KENZO TRIBOUILLARD/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣዝዩ መሳጥን ዘይግመትን ይኸውን ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, OUSMANE MAKAVELI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ዝቐረበ ሳዕስዒት ኦጎባግና

ምንጪ ስእሊ, MATTHEW LEWIS/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሪኬትስ ትሕቲ 19 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ህጻናት ዚምባብወ ኣንጻር ሲሪላንካ ክትገጥም ይዕዘቡ

ምንጪ ስእሊ, DANIEL IRUNGU/EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰሉስ፡ ኣብ ዩጋንዳ፡ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ጎደና ቡጋንዳ ስእልታት ኣብ ዕዳጋ ኢደ ጥበብ ንምርኢት ቀሪቦም

ምንጪ ስእሊ, DIMITAR DILKOFF/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓሙስ፡ ተኣምራት ጥንታዊት ግብጺ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምርኢት ...

ምንጪ ስእሊ, LUIS TATO/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓሙስ፡ ኣብ ዩጋንዳ፡ ብራስ ፎር ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ቅድሚ ምርኢት ምቕራቦም ልምምድ ይገብሩ

ምንጪ ስእሊ, MAHMOUD ELKHWAS/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ቀዳም፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ግብጺ ባምቡላ (ማኔክዊን) እናሰርሑ

ምንጪ ስእሊ, ADEK BERRY/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓሙስ፡ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን፡ ናብ ፕረዚደንት ጆኮ ዊዶዶ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣብ ኢንዶነዥያ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, ANDREW CABALLERO-REYNOLDS/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓሙስ፡ ኣብ ሉዋንዳ፡ ፕረዚደንት ኣንጎላ ጆኣው ሎረንሶን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ሓለውቲ ይቀያየሩ

ምንጪ ስእሊ, TIKSA NEGERI/REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ቀዳም፡ ኣመንቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ጥምቀት ንምስታፍ ይጽበዩ...

ምንጪ ስእሊ, MICHELE SPATARI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ቀዳም፡ በዓል ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያናዊ በዓል ጥምቀት፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተኻየደ ጥምቀተ ኢየሱስ ዘኽብር እዩ