ትራምፕ፡ ድሕሪ ርእይቶ ፕረዚደንት ሩስያ ነበረ ንዩክለሳውያን ሳብማሪናት የንቀሳቕስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ድሚትሪ መድቨደቭ ንዝሃቦ "ኣዝዩ ተዅታዂ" ርእይቶታት ግብረመልሲ ንምሃብ፡ ክልተ ንዩክለሳውያን ሳብማሪናት "ኣብ ዝምልከተን ከባቢታት ክቕመጣ" ከም ዝኣዘዘ ገሊጹ።

ትራምፕ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ዝወሰደ፡ "እዞም ናይ ዕሽነትን ኣጐሃሃርትን መግለጺታት ካብኡ ንላዕሊ ንኸይቅጽሉ ጥራሕ፡" ምዃኑ ገሊጹ። "ቃላት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናብ ዘይተሓስበ ሳዕቤን ከብጽሑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ሓደ ካብቶም ኣጋጣሚታት ከይከውን ተስፋ እገብር፡" ኢሉ።

እተን ክልተ ሳብማሪናት ኣበይ ከባቢ ከም ዝዓስከራ ብመሰረት ወተሃደራዊ ፕሮቶኮል ኣመሪካ ኣይገለጸን።

መድቨደቭ ኣብ ቀረባ እዋን ንኣመሪካ ኣፈራሪሑዋ ነይሩ፣ ትራምፕ፡ ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንምባል ክትሰማማዕ፡ እንተ ዘይኰይኑ ድማ ሓያል እገዳ ክዓርፋ ምዃኑ ንዝሃቦ መግለጺ እዩ ምላሽ ሂቡ።

ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንና ኰይነን፡ ክልተአን ሃገራት ድማ ንዩክለሳውያን ሳብማሪናት ኣለወን።

ትራምፕ ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ካብ ተዅታዂ መግለጺታት ናይቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶ ጸጥታ ፈደረሽን ሩስያ ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ድሚትሪ መድቨደቭ መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ንዩክለሳውያን ሳብማሪናት ኣብቲ ዝምልከተን ዞባታት ክቐርባ ኣዚዘ ኣለኹ፡" ክብል ጽሒፉ።

ኣብቲ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ግን፡ ብዛዕባ ብንዩክለሳዊ ሓይሊ ዝሰርሓ ወይ ንዩክለሳዊ ዕጥቂ ዘለወን ሳብማሪናት ይጠቅስ ከም ዘሎ ኣይገለጸን።

ትራምፕን መድቨደቭን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድሕዶም ኣብ ተኸታተልቲ ውልቃዊ መጥቃዕትታት ከም ዝተሳተፉ ይፍለጥ።

እዚ ዝሰዓበ፡ ትራምፕ ነቲ ኲናት ክሳብ 8 ነሓሰ ከብቅዕ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ድሕሪ ምቕማጡ'ዩ፣ ፑቲን ነዚ ንምትግባር ገና ዝዀነ ምልክት ኣየርኣየን።

ትራምፕ ቅድሚኡ ብሰኑይ፡ "10 ወይ 12" መዓልታት ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ነይሩ። ኣቐዲሙ ኣብ ሓምለ፡ ፑቲን ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ነቲ ኲናት ደው ክብል እንተ ዘይገይሩ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ነዳዳድን ክልእ ሰደዳትን ሩስያ ከቢድ ቀረጽ ከም እትስልዕ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ካብ 2008 ክሳብ 2012 ፕረዚደንት ሩስያ ዝነበረ መድቨደቭ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ትራምፕ፡ "ምስ ሩስያ ናይ መወዳእታ ጸወታ፡" ከም ዝተጻወተ ከሲሱ።

መድቨደቭ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ "ነፍሲወከፍ ሓድሽ ናይ መወዳእታ ዝብል መጠንቀቕታ፡ ስግኣትን ናብ ኲናት ዝወስድ ስጕምትን እዩ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ትራም ኣብ መጀመርታ ሓምለ ዘሕለፎ ውሳነ፡ "ትያትራዊ፡" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ፣ "ሩስያ ነዚ ኣይትግደሰሉን እያ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ድሚትሪ መድቨደቭ፡ ኣብ 2008-12 ፕረዚደንት ሩስያ ዝነበረ

ትማሊ ሓሙስ፡ መድቨደቭ ኣብ ተለግራም ብዛዕባ "ብስቕታ ምፍርራሕ" ጽሒፉ ነይሩ። ንዘረባኡ ገለ ወተሃደራዊ ክኢላታት፡ ሩስያ ብንዩክለራዊ ኣጽዋር ንዝካየድ ሕነ ምፍዳይ ብዛዕባ ዘለዋ መቈጻጸሪታት ይዛረብ ከም ዝነበረ ይኣምኑ።

ትራምፕ ንርእይቶ መድቨደብ ብዓርቢ ምላሽ ዝሃበሉ ናይ ፈለማ ኣይኰነን። ብሓሙስ ንመድቨደቭ፡ "እቲ ዝፈሸለ ፕረዚደንት ሩስያ ነበር፡ ገና ፕረዚደንት ኰይኑ እዩ ዝሓስብ፡" ክብል ገሊጹዎ።

ብተወሳኺ፡ "ቃላቱ ክቘጻጸር፡" እውን ንመድቨደቭ ኣጠንቂቑ፣ "ሓደገኛ ደረት ይጥሕስ ኣሎ፡" ኢሉ።

መድቨደቭ፡ ነቲ ሩስያ ኣብ 2022 ዝጀመረቶ ምሉእ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝድግፍ ኰይኑ፡ ንምዕራባውያን ብግልጺ ይነቅፍ።