ሽሻይ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዀኑ ፍጻመታት ኦሎምፒክ ፓሪስ

ሽሻይ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዀኑ ፍጻመታት ኦሎምፒክ ፓሪስ

ቱርካዊ ዩሱፍ ዲኬች ኣብ ውድድር 10 ሜትሮ ሓበራዊ ጾታ ነሓስ መዳልያ ተዓዊቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቱርካዊ ዩሱፍ ዲኬች ኣብ ውድድር 10 ሜትሮ ነሓስ መዳልያ ተዓዊቱ

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣትለታት ኣብ ፓሪስ ቀንዮም ድሮ ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለዉ፤ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ብመስኮት ተለቪዥን ከዘብዎም ቀንዮም።

ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ፍሉይ ነገር ዝገበሩ መዛረቢ ምዃኖም ዘይተርፍ እዩ።

ካብቲ በብልዕቱ ተሓንኲሉ ካብ መዳልያ ዝተረፈ ክሳብ እቲ ኣእዳዉ ኣብ ጁባኡ ኣእትዩ ተጀኒኑ ሜድልያ ዝተሸለመ ቱርካዊ ተወዳደሪ 'ዒላማ'፡ ንማሕበራዊ መድያታት ተቘጻጺሮምዎ ቀንዮም።

ገለ ካብኣቶም እዞም ዝሰቡ እዮም፤

ኣገራሚ ቱርካዊ ተኳሲ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቱርካዊ ዩሱፍ ዲኬች ኣብ ውድድር 10 ሜትሮ ንኵሉ ጾታ ዘሳተፈ ውድድር ጨመተ ነሓስ መዳልያ ተዓዊቱ።

እንተዀነ፡ ኣብ ፓሪስ ካብቶም ዝለዓለ ዝና ዝረኸቡ ሰባት ሓደ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን።

ወዲ 51 ዓመት ዩሱፍ ከም መወዳድርቱ ብቴክኖሎጂ መነጽር ምጥቃም ኣየድለዮን።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ጸጋማይ ኢዱ ኣብ ጁባኡ ኣእትዩ ተዛንዩ እዩ ተኲሱ።

እዛ ስእሊ ሽሻይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኽትከውን ግዜ ኣይወሰደላን።

ንብሉጻት ተወዳደርቲ ዘሕፈረ ሓምባሳይ ቈልዓ

ኣብ ላ ደ ፌንስ ኣረና ዝነበሩ ተዓዘብቲ ነቶም ዓለምለኻዊ ፍሉጣት ሓምበስቲ ክርእዩ ተረቢጾም ነይሮም።

እቶም ሓምበስቲ ድሕሪ ናይ ዓመታት ልምምድ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ንኽወዳደሩ ኣብ ዝተዳለውሉ እዋን፡ 17 ሽሕ ሰባት ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብቲ ህሞት ሃንደበት፡ ቆቢዕ ሓደ ሓምባሳይ ኣብቲ መሐምበሲ ጋብላ ወዲቓ ኣሰራ ትሰኣን፤ እንተዀነ ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ እቶም ፍሉጣት ተወዳደርቲ ኣይኰኑን ረኺቦምዋ።

ካብቶም ተዓዘብቲ ደሚቕ ሕብራዊ ካምቻ ዝተኸድነ ቈልዓ፡ ናብቲ መሐምበሲ ጋብላ ዘሊሉ ብምእታው ነታ ቆቢዑ ሒዙዋ መሰስ ኢሉ።

ዕዱም ድማ ብጣቕዒት ተቐቢልዎ።

ኢድ ዝነስአ ‘ፀለምቲ’ ዕዉታት ሜድልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢድ ዝነስኣ ‘ጸለምቲ’ ዕዉታት ሜድልያ

ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ ንፈለማ እዋን ሰለስተ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጂምናስቲክ ደቂ ኣንስትዮ ኵሉ መዳልያታት ብምእካብ ታሪኽ ሰሪሐን።

ብራዚላዊት ረቤካ ኣንድራድ ወርቂ ክተምጽእ እንከላ፡ ኣመሪካውያን ሳይሞን ባይልስን ጆርዳን ቺለስን ድማ ተመራሪሐን ብሩርን ነሓስን ተዓዊተን።

እተን ክልተ ኣመሪካውያን ተወዳደርቲ፡ ነታ ብራዚላዊት ተዓወቲት ወርቂ መዳልያ፡ ኢድ ነሲአን ምውቕ ዝበለ ኣኽብሮት ሂበናኣ።

ኣብ ዓለም ቍጽሪ ሓደ ጂምናስቲክ መዳልያታት ዘዋህለለት ባይልስ፡ ብፍሽኽታ ተሰንያ ንሬብካ ኣንድሪው ናእዳ ኣበርኪታ።

እንተዀነ፡ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘት ሮማንያዊት ኣና ባርቦ ድሕሪ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ ጆርዳን ቺለስ ወሲዳቶ ዝነበረት ነሓስ መዳልያ ተመንጢላ።

ኣብ ውድድር ‘ፖሜል ፈረስ’ ዝተሳተፈ ኣመሪካዊ ስቲቨን ኒዶሮሰቺክ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተወዳዳሪ ‘ፖመል ፈረስ'

ኣብ ውድድር ‘ፖመል ፈረስ’ ዝተሳተፈ ኣመሪካዊ ስቲቨን ኒዶሮሰቺክ ድማ፡ መዛረቢ ሰባት ኰይኑ ቀንዩ።

ስቲቨን ንሓያሎ ደቓይቕ ብዘይ ምንቅስቓስ ነቲ ዝወዳደረሉ መድረኽ ፈዚዙ ይርኢ ነይሩ።

ተራኡ ምስ በጽሐ፡ ስቲፈን መነጽሩ ኣቐሚጡ ዘደንቕ ብቕዓት ከርኢ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ጋንታን ውልቃዊ ውድድራትን ክልተ መዳልያታት ተዓዊቱ።

ፈረንሳዊ ኣትለት ኣዘላልኣኡ ናብ መዛዘሚ ጸዋታ ከምዝሓለፍ ዘርኢ እዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብልዕቱ ዝሓንከሎ ፈረንሳዊ ዘላሊ

ፈረንሳዊ ተወዳዳራይ ዝላ ፖል ቮልተር ኣንቶኒ ኣሚራቲ፡ ናብ ፍጻመ ኦሎምፒክ ንምብጻሕ ዝነበሮ ተስፋ ብዘገርምን ዘይተጸበዮን መንገዲ ፈሺሉ።

ንሱ ሓያሎ ዙርያታት ሓሊፉ'ኳ ኣብዚ እንተበጽሐ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዝላ ግን ብልዕቱ ነቲ ዘንጊ ምስ ተንከፈ ካብ ውድድር ወጻኢ ኰይኑ።

እቲ ፈረንሳዊ ኣትለት ናብ መዛዘሚ ውድድር ዝላ ክበጽሕ ከምዝኸኣለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዘሊሉ ናብ ፍርናሽ ክምለስ እንከሎ ግን ብብልዕቱ ነቲ ዝንጊ ተንኪፍዎ።

ወዲ 21 ዓመት ኣንቶኒ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ፡ ፍሽኽታ ዝፈጥር መልእኽቲ እዩ ለጢፉ፤ "ሓደ ሓደ ግዜ ኣፍልጦ ብኽእለት ዘይኰነስ ብልዕልቲ እውን ይመጽእ እዩ" ኢሉ።

መዳልያኣ ዝነኸሰት ቻይናዊ ኣትሌት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መዳልያኣ ዝነኸሰት ቻይናዊ ኣትለት

ስለምንታይ እዮም ስፖርተኛታት ነቲ መደልያ እናነኸሱ ስእሊ ዝሰኣሉ? እዚ ሕቶ ቻይናዊት ኣትለት ዞው ያኪን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ተዓዋቲት ነሓስ መዳልያ ያኪን፡ ምስተን ተዓወትቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ክትስእል እንከላ፡ ክልቲአን እተን ኢጣልያውያን ስፖርተኛታት መዳልያአን ነኺሰን ክሰኣላ ትርኢ።

ድሕሪ ኣድናቘት ድማ ነቲ መዳልያ ኣብ ከንፈራ ኣቐሚጣ 'ክትቀድሕ' ፈተነት።

ቀደም ስፖርተኛታት፡ ወርቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ መዳልያኦም ይነኽሱ ነይሮም።

ሎሚ ግን ልምዲ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ብራዚላዊ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ሰርፊንግ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብልጽቲ ስእሊ

ፈረንሳዊ ሰኣላይ ጀሮም ብሮይል ዝወሰዶ ስእሊ ብዙሕ ናእዳ ረኺቡ ኣሎ።

እታ ስእሊ፡ ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስ ዝንሳፈፍ ብራዚላዊ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ሰርፊን እዩ።