ሃገራትን ኣህጉራትን ብዛዕባ ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ እንታይ ይብላ ኣለዋ?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝበጽሓቶ ስምምዕ ስዒቡ፡ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣህጉራትን መርገጺአን ይገልጻ ኣለዋ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ዓርሳ ካብ ሶማልያ ብምግንጻል ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ስምምዕ ግን ሶማልያ “ፍጹም ቅቡልነት የብሉን” ክትብል ተቓዊማቶ እያ።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝርኣይ ዘሎ ወጥሪ ንክሃድእ ጸዊዖም።
ብመሰረት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕሬዝደንት ሶማሊላንድ ሙሄ ቢሂ ኣብዲን ብሰኑይ 1 ጥሪ 2024 ዝፈረሙዎ ሰነድ ምርድዳእ፡ ኢትዮጵያ ካብ ወደብ ሶማሊላንድ ኣስታት 20 ኪሎ ሜትሮ ወደብ ክትረክብ እያ።
ሶማሊላንድ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ’ውን ኢትዮ-ቴሌኮም ገለ ብጽሒት ከም እትረክብ መንግስቶ ኢትዮጵያ ገሊጹ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ነታ ብሕቡራት ሃገራት ኰነ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ዘይተዋህባ ሶማሊላንድ፡ ኣፍልጦ ከም እትህባ ዝገልጹ ጸብጻባት’ኳ እንተሃለው፡ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን።
ከም ኣካል ግዝኣታዊ ሓድነታ እትወስዳ ሶማልያ፡ ነቲ ስምምዕ ብምቅዋም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ጸዊዓቶ ትርከብ።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ሶማልያን ነቲ ኣብ ሞንጐአን ዝርአ ዘሎ “ወጥሪታት ንከህድኣ” ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ “ክልቲአን ሃገራት ሃንደበት ሰላመን ናብ ዝዘርግር ተግባራት ካብ ምኻድ ክቑጠባ ይግባእ” ኢሉ።
ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉእላውነትን ሃገራት እቲ ሕብረት ክኽበር ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይዝረግ ክሰርሓ ከም ዘለወን ኣተሓሳሲቡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ እተን ሃገራት ዝኣተውኦ ወጥሪ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሕኦ ካብ ምግላጽ ወጻእ ትርንዕ ዝበለ መርገጺ ካብ ምርኣይ ተቘጢቡ እዩ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ብወገኑ፡ “ኣሜሪካ ብመሰረት ወሰን ዶብ 1960፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉእላውነትን ሶማልያ ተኽብር እያ” ዝብል መልሲ ሂቡ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፤ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሶማልያ፡ ከምኡ’ውን ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን “ሉእላውነት፣ ሃገራዊ ሓድነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር ምኽባር ጠቓሚ ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሕብረት ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንክዓስል ሉእላውነት ሶማልያ ምኽባር ኣገዳሲ እዩ” ኢሉ።
በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ወጥሪ ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፡ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ከም ዘሎን እቲ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ርግኣት እቲ ዞባ ዘሕድሮ ጽልዋ ከም ዝግንዘብን እዩ ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ መግለጺ ዘውጽአ መንግስቲ ሶማልያ፡ “ብመግለጺ ኢጋድ ከም ዘይተሓጐሰ” ገሊጹ።
“እቲ መግለጺ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘድለወ ምዃኑ ይኣምን። እቲ ዋና ጸሓፊ ይቕሬታ ሓቲቱ ነቲ መግለጺ ብምስራዝ ትኽክለኛ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ኢልና ንኣምን” ክብል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር ተዛሪቡ።
ሊግ ዓረብን ግብጽን
ትማሊ፡ ምስ ሶማልያዊ መዘንኡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ብቴሌፎን ዝተዘራረበ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ጐኒ ሶማልያ ደው ንምባል ዘለዋ ጽኑዕ መርገጺ” ከም ዘረጋገጸሉ ወሃቢ ቃል ኣሕመድ ፋሚ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣሕራም ኦንላይን ኣብ ዝሓተሞ ጸብጻብ’ውን፡ ግብጺ “ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማሊያ ምኽባር” ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ምግላጻ ኣቃሊሑ።
እቲ ማዕከን ዜና፡ ንመግለጺ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካብ ውሽጥን ደገን ዝወሃቡ ዘለዉ መግለጺታት ንርግኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርጉ ከም ዝኽእሉ ኣስሚሩሉ።
ሚኒስትሪ ኮሚዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሃገሩ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝበጽሓቶ ስምምዕ “ንማንም ዝጐድኣ ኣይኰነን፤ ሕጊ’ውን ኣይጥሓሰን” ኢሉ።
ከም ጸብጻብ ኣሕራም ኦንላይን፡ ግብጺ “ኣብቲ ዞባ እትዕዘቦ ዘላ ተግባራት ኣብ ሞንጐ ሃገራት ኣፍሪቃ ወጥሪ ዝፈጥሩ’ዮም” ኢላ።
ግብጺ፡ መትከል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝዀነ “ዝዀነት ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልእ ሃገር ክትኣቱ የብላን፤ ዶብ ካልእ ሃገር’ውን ከተኽብር ይግባእ” ዝብል ዓንቀጽ ክኽበር ይግባእ ትብል።
ሊግ ዓረብ ብወገኑ፡ ንልኡላዊነት ሶማሊያ ዝግህስ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ውዕል ከም ዘይቅበል ገሊጹ።
ብፍላይ፡ “መንግስቲ ሶማልያ ምስታ ግዝኣት ዘካይዶ ንዘሎ ዘተ ናብ ሓደጋ ከእትዎ ስለ ዝኽእል ቅቡል ኣይኰነን” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሊግ ጋማል ረሽዲ፡ “ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ዓለምለኻዊ ሕጊታት ዝጠሓሱ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማሊያ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእትዉ’ዮም” ከም ዝበለ ብመግለጺ ኣንቢቡ።
ረሽዲ ኣስዒቡ፡ “ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ጉዳይ ወደብ ሓቢረን ንኽሰርሓ ዝኣተዋኦ፡ ካቢነ ሶማልያ 'ቅቡል ኣይኰነን' ንዝበሎ፡ ውሳነ ሊግ ዓረብ ምሉእ ብምሉእ ይድግፎ’ዩ” ኢሉ።
እዚ ዓይነት ተግባር ኣብቲ ከባቢ ኣኽረርቲ ሓይልታት ንኽጫጭሑ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ስለ ዝዀነ ሳዕቤኑ ከቢድ ከም ዝዀነ’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።
ሶማሊላንድ ብ1991 ዓ.ም ነብሳ ካብ ሶማልያ ብምግንጻል ናጻ ሃገር ምዃና እኳ እንተኣወጀት፡ ክሳብ ሕጂ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይተዋህባን።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available