ቁሪ ብውሑዱ 124 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ኣፍጋኒስታን ሓያል ቀዝሒ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብውሑዱ 124 ሰባት ብሰንኪ ቁሪ ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ጣሊባን ገሊጾም።

ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ኣዝዩ ዝሑል ክረምቲ [ቀዝሒ] ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ኣስታት 70 ሽሕ ጥሪት እውን ከም ዝጠፍኣ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ምሕደራ ሓደጋታት እታ ሃገር ገሊጹ።

ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ከይሰርሓ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ብዙሓት ትካላት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ስርሐን ደው ኣቢለናኦ።

ሓደ ሚኒስተር ጣሊባን፡ ዋላ'ኳ ሞት እንተሃለወ፡ እቲ ኣዋጅ ከምዘይቅየር ገሊጹ።

ግዝያዊ ሚኒስተር ምሕደራ ሓደጋታት፡ ሙላ መሓመድ ዓባስ ኣክሁንድ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ከባቢታት ኣፍጋኒስታን ምሉእ ብምሉእ ብሰንኪ በረድ ተበቲኾም ኣለዉ።  

ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ህይወት ንምድሓን ተላኢኸን ነይረን፤ ኣብቶም ኣዝዮም በረኽቲ ዞባታት ግን ክዓልባ ኣይከኣላን።

እቲ ግዝያዊ ሚኒስተር፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 መዓልታት ዝግመት ትንበያ ጠቒሱ፡ እቲ ኵነታት ኣየር ክውዒ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንሱ፤ ገና ብዛዕባ ምውሳኽ ቁጽሪ ሞት ሰባት፡ ከምኡ'ውን ጥሪቶም ዘሻቐ ቕል ምዃኑ ተዛሪቡ።

"መብዛሕትኦም እቶም ብሰንኪ ቁሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ጓሶት ወይ ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሰባት እዮም። ክንክን ጥዕና ኣይረኸቡን" ይብል ሙላ ኣክሁንድ።

"ብዛዕባ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዞባታት ኣኽራናት ዝነብሩ ዘለዉ ተሻቒልና ኣለና። መብዛሕትኦም ብኣኽራናት ዝሓልፉ ጽርግያታት ብሰንኪ በረድ ተዓጽዮም ኣለዉ። መካይን ኣብኡ ተዓጽየን ኣለዋ፡ ገለ ተጓዓዝቲ ድማ ሞይቶም።"

ኣብዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክረምቲ ኩሉ ግዜ ጽንኩር እዩ፤ እዚ ግን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር እዩ።

ከምኡ’ውን ናይ ሎሚ ዓመት ስርሒታት ረድኤት ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ኣብ ትካላት ረድኤት ከይሰርሓ ዝኽልክል ኣዋጅ ተዓንቂፉ ኣሎ።

ሙላ ኣክሁንድ ግን ተሪር መርገጺ እዩ ዘለዎ። ‘እዚ ኣዋጅ ክለዓል ኣይከኣልን’ ብምባል፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንእስላማዊ ባህሊ ኣፍጋኒስታን ከኽብር ከምዘለዎ ኣጽኒዑ።

"ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ምሳና ይሰርሑ ኣለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምሳና ክሰርሓ ኣየድልን'ዩ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ካብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኣብ ጻዕርታት ረድኤት ይሳተፉ ኣለዉ፤ ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ኣየድልያን እየን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ሰበስልጣን ረድኤት ነዚ እገዳ ንምፍታሕ ዝሕግዝ መገዲ ንምርካብ ብህጹጽ ይጽዕሩ ኣለዉ።