ካብ ዋዕላ ሙኒኽ ዝተወስዱ ሓሙሽተ ኣገደስቲ ነጥብታት

ምንጪ ስእሊ, UKRAINIAN PRESIDENTIAL PRESS SERVICE

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ሙኒኽ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ ተራኺቡ ተዘራሪቡ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እቲ ብኣመሪካ ዝወጽአ ተኸታታሊ መግለጺታት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሙኒኽ ዝተኻየደ ዋዕላ ጐጻጒጹዎ።

ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኤውሮጳውያን ፖለቲከኛታት ድማ ዘይምስምማዕ ኣኸቲሉ።

ሰበስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፡ ምስ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንኸብቅዕ ዘተ ክጅምሩ ትጽቢት ይግበር።

ፖለቲከኛታት ዩክረይንን ኤውሮጳንን፡ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ብዘይ ተሳትፎኦም ክጸንዕ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ገለጹ፡ ናብቲ ዘተ ኣይተዓደሙን።

ኣብ ክንድኡ፡ ብዛዕባ እቲ ግጭትን ድሕነት እታ ኣህጉርን ንምዝታይ ንሎሚ ሰኑይ ኣብ ፓሪስ ንኽራኸቡ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዖም ኣለዉ።

ካብ ዋዕላ ሙኒኽ ዝውሰዱ ሓሙሽተ ነጥብታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

1. መኸተምታ ሓደ ዘመን

ብ1949 ዝተመስረተ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ንምስፍሕፋሕ ሕብረት ሶቭየት ነበር ኣብ ኤውሮጳ ንምዕጋት እዩ ቈይሙ።

ኣብዚ ግዜ`ዚ፡ ሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ጸምቢሩ 32 ኣባል ሃገራት ኣለዋኦ። ንሓንቲ ካብአን መጥቃዕቲ እንተ በጺሑዋ፡ ዝተረፋ ኣብ ምክልኻል ክድግፋኣ ስምምዕ ኣለወን።

ድሕሪ`ዚ ሰሙን`ዚ ግን፡ እቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝጸንሐ ናይ ጸጥታ መዋቕር ኤውሮጳ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ።

ኣመሪካ ገና ኣባል እቲ ኪዳን እኳ እንተ`ላ፡ ኤውሮጳ ድሕሪ ሕጂ ኣብ እንግድዓ ኣመሪካ ክትምርኰስ ኣይትኽእልን እያ።

ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ ብራስለስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣባላት ኔቶ ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ምክልኻል ልዑል ወጻኢታት ክስልዓ ጸዊዑ።

ንዩክረይን ድማ፡ "ልዕሊ መጠን" ወተሃደራዊ ደገፍ ከቕርቡ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

2. ፖሊሲ ዩክረይን ተገልቢጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኤውሮጳን ዩክረይንን ይፍተዋ ይጽልኣ ብዘየገድስ፡ ኣመሪካን ሩስያን እቲ ኲናት ከብቅዕ ስምምዕ ከካይዳ እየን።

በቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዝርርብ፡ እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ንቭላድሚር ፑቲን ምዅርናዕ ከብቅዕ እዩ - ዋላ`ኳ ፕረዚደንት ዘለንስኪ መራሒ ሩስያ ክእመን ከም ዘይክእል ህጹጽ መጠንቀቕታ እንተ ኣቕረበ።

ዝሓለፉ ረቡዕ፡ ዶናልድ ትራምፕን ፑቲንን ብተለፎን ተዘራሪቦም እዮም።

ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ማይክ ዋልትዝን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍን ንፕረዚደንት ኣመሪካ ሓቢሮምዎ ከም ዝጓዓዙ ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ብዘይ ተሳትፎ ሃገሩ ዝግበር ስምምዕ ከም ዘይቅበልን ሃገሩ ናብቲ ዘተ ከም ዘይተዓደመትን ገሊጹ እዩ።

3. ኣብዚ እዋን ዝያዳ ወጻኢታት ምግባር

ኤውሮጳ ነታ ሓርናጽ ሩስያ ክትገትኣ እንተዀይና፡ ወጻኢታት ምክልኻላ ብቕልጡፍ ከተዕብዮ ከም ዘለዋ ኵሉ ይሰማማዕ።

እቲ ኣብዚ ግዜ`ዚ ብኔቶ ተጠሊቡ ዘሎ እንተ ወሓደ 2 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ሃገራዊ ምህርቲ (GDP) ክስላዕ፡ ናብ 3 ሚእታዊት ክዓብይ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ሩስያ ብልዕሊ ዕጽፊ ናይዚ ንምክልኻል ትስልዕ።

ትራምፕ፡ ኤውሮጵያውያን ሃገራት ኣባላት ኔቶ፡ 5 ሚእታዊት ካብ ሃገራዊ እቶተን ኣብ ምክልኻል ከውዕላ ኣብ ጥሪ ተማሕጺኑ ነይሩ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩት ብወገኑ`ውን፡ ኣባል ሃገራት ወጻኢታት ምክልኻል ከዕብያ ኣተሓሳሲቡ።

ብሓፈሻኡ፡ ኤውሮጳ ንዩክረይን ብእትህቦ ሓገዝ ድሮ ንኣመሪካ በሊጻታ እያ። 70 ቢልዮን ዩሮ ንፋይናንሳውን ሰብኣውን ሓገዝ፣ 62 ቢልዮን ዩሮ ድማ ንወተሃደራዊ ደገፍ መዲባ ኣላ።

ኣመሪካ 64 ቢልዮን ዩሮ ንወተሃደራዊ፡ 50 ቢልዮን ዩሮ ከኣ ንፋይንናሳውን ሰብኣውን ሓገዝ ትገብር።

4. መደረ ጀይ ዲ ቫንስ

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታት ኤውሮጳ ንዘቕረቦ ወቐሳ፡ ብዙሓት ካብቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ "ዘይግቡእ ፍርዲ" ከምኡ`ውን "ጸርፊ" ክብሉ ገሊጾም።

ኣመሪካ ንዩክረይን ከም ዘይትሓድጋ ከረጋግጸሎም ተስፋ ኣንቢሮም ነይሮም።

ብኣንጻሩ ግን፡ ንዓባይ ብሪጣንያ ሓዊሱ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ክብርታተን ንድሕሪት ከም ዘንሰሓባ፡ ስክፍታታት መረጽቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሸለል ከም ዝበላ ክዛረብ ግዜኡ ኣሕሊፉዎ።

ነቲ መደረኡ ብስቕታ እዮም ሓሊፎሞ። ብድሕሪኡ ግን ብብዙሓት ፖለቲከኛታት ተዀኒኑ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን፡ "ብሉጽ፡" ኢሉዎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ

5. ምብትታንን ዘይምስናይን

ዋዕላ ሙኒኽ ብጂኦ-ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ተባሒቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዶናልድ ትራምፕ ካብ መጋቢት ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ሓጺንን ኣሉሚንየምን 25 ሚእታዊት ቀረጽ ክስልዕ መደብ ከም ዘለዎ ይገልጽ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ`ዚ፡ መርገጺታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት - ካብ ንግዲ ክሳብ ምስ ሩስያ ዝካየድ ርክብ ርኡይ ኣፈላላይ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ።

ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ጋግ ከተጽብብ ትጽዕር ኣላ።

ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኬር ስታርመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝምድና ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ካብ ክልተአን ንሓንቲ ትመርጽ ከም ዘየላ ሓቢሩ።