ከባብታት ሑመራ፣ ኣላማጣን ፀለምትን ካብ ምምሕዳር ትግራይ ወፃኢ መረፃ ከካይዳ ተወሲኑ

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2012 ዓ.ም [ጳጉሜን] ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ ኣካታዓይ መረፃ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ እተን ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለለንን ሰፋሕቲ ከባብታት ትግራይ፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ወፃኢ ኰይነን ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መረፃ ከካይዳ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እተን ሓሙሽተ 'ክልላት' መረፃ፡ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወፃኢ ኮይነን መረፃ ከምዘካይዳ ዘፍለጠ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተውሃበ ውሳነ ተደሪኹ ምዃኑ ይገልፅ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "እዚ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዘይብሉ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነ ብፅኑዕ እናኾነነ፡ እዚ ሓደገኛ ውሳነ ዘስዕቦ ዙርያ መለሽ መዘዝ ኣብ ግምት ኣትዩ ብኣግኡ ክእረምን ዳግመ ግምት ክግበረሉን ብፅኑዕ ይሓትት" ብዝብል፡ ነቲ ውሳነ ነፂጉ ኣሎ።

እቲ ቦርድ መረፃ፡ 22 ጥሪ 2018 ዓ.ም [ግ] ዝርዝር ክልላትን ጣብያታትን መረፃ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ እተን ሓሙሽተ ክልላት መረፃ፡ ማለት ሑመራ፣ ዓዲ-ረመፅ፣ ፀለምቲ፣ ኮረም-ኦፍላን ከምኡ'ውን ራያ-ኣላማጣን፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዝዀና ዝገልፅ ሓበሬታ ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ቦርድ ኣብቲ ሎማ መዓልቲ ዘውፀኦ ደብዳበ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴፈሬሽን ብ25 ጥሪ 2018 ዓ.ም ናብቲ ቦርድ ዝፀሓፎ ደብዳበ ግን፡ እተን 'ኣካታዕቲ' እናበለ ዝገልፀን ከባብታት፡ ሕገ-መንግስታዊ ፍታሕ ክሳብ ዝረኽባ፡ "ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ብዝዀነ መገዲ ተወከልቲ ፌዴራል ክመርፃ ኣለወን" ዝብል ውሳነ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

"እቲ ቦርድ ዘውፀኦ ዝርዝር ክልላትን ጣብያታትን መረፃ ስዒቡ፡ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 25 ጥሪ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝሰደደልና ደብዳበ፡ ንክልቲአን ክልላት ዘካትዓ ሓሙሽተአን ከባብታት መረፃ፡ ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ፡ ተወከልቲ ሃገራዊ ባይቶ ክመርፃ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡና" ይብል።

ከምኡ'ውን፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብተን ዘሰሓሕባ ከባብታት፡ ክልላዊ መረፃ ዝካየድ፡ እቲ ሕቶ ይግበአኒ ዕላዊ ፍታሕ ምስረኸበ፡ ኣብ ዝምቹ እዋን ከምዝዀነ ይሕብር።

ከም ንቡር፡ ኣብታ ሃገር ነፍስወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ፡ ህዝብታት ንክልቲአም ባይቶ ፌዴራል፡ ንባይቶ ክልልን ወረዳን ወከልቶም ይመርፁ።

ኲናት ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግ] ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ንሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ ቁፅፅር ዕጡቓት ኣምሓራ ዝርከቡ ገለ ከባብታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ መዕለቢ ክረኽቡ ትፅቢት ይግበር ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቶም ዛጊድ ንክልቲኦም ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘካትዑ ከባብታት፡ ፍታሕ ከይረኸበ ሻድሻይ ዓመቱ ሒዙ ይርከብ።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ነበርቲ፡ ናብ መረበቶም ከይተመልሱ ናብ ካልእ ዙር ጐንፂ ከይመርሕ ሰፊሕ ስግኣት ኣሎ።

ካብቶም ዘሰሓሕቡ ካልኦት ከባብታት ራያ-ኣላማጣ ሓደ ዀይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣትዩ ይርከብ፤ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጐንፂ ተራእዩዎ ዝነበረ ከባቢ ፀለምቲ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፌዴራል ከምዘሎ ይግለፅ።

ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላዊ ውድባትን ውልቀሰባትን ትግራይ ቁጥዐ ፈጢሩ ኣልዒሉ ይርከብ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቲ ዘውፀኦ ምላሽ፡ "ብቅሉዕ ሕገ መንግስትን ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብምጥሓስ፣ ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘወድቕ ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ" ክብል ተቓውሞ ኣስሚዑ ኣሎ።

ብኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዝምራሕ ውድብ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ ብወገኑ፡ ባይቶ ፈደረሽን ኣብ ጉዳይ ሕቶ ይግበአኒ ዝለዓለለን ከባብታት ትግራይ: ዝሃቦ ውሳነ እንተዘይተኣሪሙ: ኣብ መረፃ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ውድብ ስምረት፡ ኣብቲ ናብ ባይቶ ፌደሬሽንን ሃገራዊ ቦርድ መረፃን ዝፀሓፎ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ፣ ነቲ ውሳነ "ዘይሕገ መንግስታዊ" ክብል ኮኒንዎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ዕጡቓት ትግራይን፡ ዳግማይ ግጭት ከይፍጠር ስግኣት ዓሲሉ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

ኣብ ከባቢ መዋሰንቲ ትግራይ፡ ወተሃደራዊ ምትእኽኻበት ከምዘሎ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ኣብ ከተማታት ትግራይ ሰፊሕ ሻቕሎት ተፈጢሩ ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።