ቤት ፍርዲ፡ ድምጺ ኣመሪካ ንምዕጻው ዝተወስደ ውሳነ ክምለስ ኣዚዙ

ኣርማ ድምጺ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, VOA Tigrinya

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፈደራል ዳኛ ሮይስ ላምበርት፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንዅሉ ስራሓትን ምወላን ድምጺ ኣሜሪካን ካልኦት ብኣሜሪካ ዝድገፋ ማዕከናት ዜና ናብቲ ዝነበሮ ክመለስን ትእዛዝ ኣሕሊፉ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ነዞም ትካላት ንምፍራስ ዝተገብረ ጻዕሪ ንሕጊን ሕገመንግስትን እታ ሃገር ዝጥሕስ እዩ ዝብል ውሳነ'ውን ኣሕሊፉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ብዘሕለፎ ውሳነ፡ ኣስታት 1,000 ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 1300 ሰራሕተኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ስርሖም ኣቋሪጾም ዕረፍቲ ክወስዱ ከምዝተገብረ ይፍለጥ።

ዋይትሃውስ፡ ነተን ማዕከናት ዜና "ጸረ-ትራምፕ" ን "ኣኽረርት"ን ክብል ይኸስስ።

ድምጺ ኣሜሪካ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ናዚ ንምምካት ተባሂሉ ዝተመስረተ ኰይኑ ብቐንዱ ብራድዮ ፈነወታቱ ዝዝርግሕ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም እዩ።

ድምጺ ኣሜሪካ ንናይ ደገ ሰማዕቲ እምበር፡ ንኣመሪካውያን ዝዓለመ ብዙሕ መደባት ኣይጸንሓን - ተልእኾኣ'ውን ኣይኰነን።

ብኣስታት 47 ቋንቋታት ቀንዲ ኣብተን ናጽነት ፕረስ ትሑት ምዃኑ ዝንገረለን ሃገራት መደባት እትፍኑ ዝነበረት ድምጺ ኣመሪካ፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ካብ 1982፣ ብቛንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ድማ ካብ 1997 ኣትሒዛ ስሩዕ መደባት ክትፍኑ ምጽናሓ ዝዝከር'ዩ።

እቲ ብፈደራል ዳኛ ዝቐረበ ትእዛዝ ፍርዲ፡ ብሰንኪ እቲ ብትራምፕ ዝተገብረ ምቍራጽ፡ "ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ 80 ዓመታት ህላወኡ ንመጀመርታ ግዜ ዜና ምምምሕልላፍ ደው ከምዘበለ" ኣመልኪቱ።

ብ14 መጋቢት፡ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ዘምሓድር ኣጀንሲ ዓለምለኸ መራኸቢታት (United States Agency for Global Media) ዝርከበን ሸውዓተ ኣካላት መንግስቲ፡ ከከም ኵነታቱ ናይ ምዕጻውን ምጕድላን ስጕምቲ ክውሰደን ምዃኑ ከምዘቃልሐ ይፍለጥ።

ነቲ ውሳነ ዝሃበ ዳኛ ላምበርት፡ ምምሕዳር ትራምፕ "ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ኮንትራክተራት፡ ጋዜጠኛታትን ተጠቀምቲ ሚድያን ዝወርድ ጉድኣት ፍጹም ኣይተገደሰን" ክብል ወቒሱ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ምምሕዳር፡ ንሰራሕተኛታትን ኮንትራክተራትን ናብ ቅድሚ'ቲ ፈጻሚ ትእዛዝ ዝነበሮም መደብ ስራሕ ንምምላስ ስጕምቲ ክወስድ፤ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድማ ንራድዮ 'ፍሪ ኤስያ' ን መርበባት ፈነወ ማእከላይ ምብራቕን ክመልስ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

ዳኛ ላምበርት፡ እቲ ምምሕዳር ንሕጊ ኣህጉራዊ ፈነወን ንስልጣን ግቡእ ምወላ ኮንግረስን ዝጥሓሰ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ድምጺ ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነዚ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣመልኪታ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዋይት ሃውስን ቀንዲ ከሳሲትን ፓትሲ ዊዳኩስዋራ፡ "ኣነን መሳርሕተይን በዚ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዕጉባት ኢና፤ እንተዀነ መንግስቲ ይግባይ ክብል ተኽእሎ ስለዘሎ፡ እዚ ሓደ ንእሽቶ ስጕምቲ ንቕድሚት ጥራይ እዩ" ኢላ ።

"ኣንጻር እቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስቕ ንምባል ዝተወስደ ስጕምቲ ምምሕዳር ኣሜሪካ ክሳብ መወዳእታ ክንቃለስ ኢና፣ ዛንታታት ኣሜሪካ ብልክዕነትን ሚዛናውነትን ክንነግር ኢና፡" ኢላ።

ትራምፕ፡ ከም ኣካል ናይቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሃን ብወገናውነት ዘቕርቦ ክሲ፡ ዘካይዱ መጥቃዕቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ክነቕፎ ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።

ትራምፕ ዝሓለፈ ጥሪ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ካሪ ሌክ ዝተባህለ ደጋፊኡ ፖለቲከኛ ንድምጺ ኣሜሪካ ክመርሕ ስልጣን ሂብዎ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብ መጋቢት፡ ነቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝከታተልን ከም ፈነወታት ራድዮ ፍሪ ኤውሮጳን ፍሪ ኤስያን ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ዝምውልን ኤጀንሲ ዓለማዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣሜሪካ፡ "ምስ ግብራዊ ሕጊ ብዝሰማማዕ መገዲ ብዝለዓለ ደረጃ ክስረዝ" ኣዚዙ ነይሩ።

ስጕምቲ ትራምፕ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል፡ ጋዜጠኛታት፡ ተጣበቕቲ ማሕበራትን ድሕሪ ምኽሳሶም፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ፍሉይ ዳኛ ነቲ ፈጻሚ ትእዛዝ ብግዚያውነት ዓጊትዎ ጸኒሑ እዩ።

ሕጂ ድማ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ዳኛ ላምበርት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ብኮንግረስ ዝምወልን ብዓለም ደረጃ ተኣማንነት ዘለዎ ዜና ንኸቃልሕ ሕጋዊ ስልጣን ዝተዋህቦ ድምጺ ኣሜሪካ ናይ ምዕጻው ስልጣን ከምዘይብሉ ትእዛዝ ኣሕሊፉ።

ኤጀንሲ ዓለማዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣሜሪካ USAGMን ዋይት ሃውስን መብርሂ ንኽህቡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ ርእይቶ ዛጊት ኣይሃቡን።