ኣቢይን ሩቢዮን ብዛዕባ እንታይ ተዛራሪቦም?

ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ብስልኪ ከምዝተዘራረበ ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብሰሉስ 21 ሓምለ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ እቶም ሰበስልጣን "ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት" ከምዝተዘራረቡ እዩ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ ዘሎ።

እቶም፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ጸሃፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ምርግጋእ ኣብ ምፍጣርን ቍጠባዊ ዕብየትን ኣልዒሎም ከምዝተዘራረቡ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ሰበስልጣን ብተሌፎን ዝተዘራረቡሉ፡ ኣብዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ዝስማዕ ዘሎ ምልልስ ቃላት ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

እዚ ይዅን ግን ክልቲኦም ሰበስልጣናት ብዛዕባ'ቲ ምስ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ ኣልዒሎም ብዛዕባ ምዝራቦም ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

ብኻልእ ወገን እቲ ዝርርብ ዝተኻየደ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን ዝወሃብ ቪዛ ኣብ ከምዝተቐየረ ኣዊጁሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

ብመሰረት ውሳነ ቪዛ ኣመሪካ፡ ናብታ ሃገር ዝጓዓዙ ኢትዮጵያውያን፡ ብተደጋጋሚ ምእታው ዘፍቅድ ዝነበረ ናይ ክልተ ዓመት ቪዛ፡ ንሰለስተ ወርሒ ጥራይ ዝተደረተ ኰይኑ፡ናይ ሓደ ግዜ ምእታው ጥራይ ዘፍቅድ ኰይኑ ከምዝተቐየረ ይዝከር።

ካልኦት ዛዕባታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ጉዳይ ኣብ ኣጋ ምዝዛም በጺሑ ክምረቕ ተዳልዩ ዘሎ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ህንጸት እቲ ግድብ ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ፡ ዋሕዚ ማይ ሩባ ኣባይ ዓጊቱ ንግብጺ ዝጎድእ እዩ ብምባል፡ንግብጺ ዘሐጐሰ መግለጺ ሂቡ ነይሩ።

ትራምፕ ብኡ ጥራይ ኣይብቀዐን፤ ኣመሪካ እቲ ግድብ ንኽህነጽ ገንዘባዊ ድጋፍ ከምዝገበረት ንሳልሳይ ግዜኡ ኣብዚ ሰሙን ተዛሪቡ'ሎ።እንተዀነ መዓስን ብኸመይን ኣይገለጸን።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሃይድሮኤሌክትሪክ ግድብ ከምዝዀነ ዝንገረሉ፡ካብ ዝጅመር 14 ዓመታት ገይሩ ዘሎ ግድብ ፡ምስቲ 'ብጉልበትን ገንዘብን ኢትዮጵያውያን ዝተሃንጸ እዩ' ዝብል ካብ ቀዳማይ ምኒሰተር መለስ ዜናዊ ጀሚሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጊሙ ዝገልጽዎ ዝጻረር እዩ።

ብዛዕባ እዚ ዘረባ ዝዀነ መግለጺ ከይሃበ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ እቲ ግድብ ምሉእ ብምሉእ ብኢትዮጵያ ከምዝተሸፈነ ደጊሙ ኣነጺሩ ኣሎ። እንተዀነ፡ ሕጂ'ውን እቲ መግለጺ ብቐጥታ ንዘረባ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣይጠቅስን።

ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ግድብ ህዳሰ፡ እቲ ግድብ 100 ሚእታዊ "ብዘይ ዝዀነ ሓገዝ ወጻኢ ይኹን ልቓሕ" ከምዝተሃነጸ 21 ሓምለ 2022 ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ዝተዘርገሐ መግለጺ፡ ኵሎም ኢትዮጵያውያን "ብሞራል፡ ብገንዘብ፡ ብጉልበትን ብፍልጠትን" ከምዝተሳተፉ ኣመልኪቱ።

ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መሸጣ ቦንድን ሓገዝን ልዕሊ 20 ቢልዮን ብር፣ ካብ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ድማ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ብር ከምዝተኣከበ እቲ መግለጺ የመልክት።

ብሓፈሻ ልዕሊ 23 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቐሰ።