ሰራዊት ሱዳን መዓስከር ሓይሊ ኣየር ንምክልኻል ይዋጋእ ከም ዘሎ ነበርቲ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዋዲ ሴዳን ንምቍጽጻር ይፍትን ንዘሎ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ንምክልኻል ይዋጋእ ከም ዘሎ ነበርቲ ሓቢሮም።
እዚ መዓርፎ ነፈርቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) መጥቃዕቲ ኣየር ንምፍጻም ዝጥቀመሉ ኰይኑ፡ መንግስታት ወጻኢ ሃገራት እውን ኣብ መጀመርታ እቲ ግጭት ዜጋታቶም ንምውጻእ ይጥቀሙሉ ነይሮም።
እዚ ውግእ ዝካየድ ዘሎ፡ ሓድሽ ናይ 7 መዓልታት ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምእዋጁ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ምፍራሱ ይዝከር።
ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዝወጽኣኦ መግለጺ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዕርቂ ካብ ሰኑይ ምሸት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑን፡ "ተዅሲ ደው ምባል ክትትል ዝግበረሉ ኣገባብ" ስለዘለዎ ድማ ዝተፈለየ ከም ዝኸውንን ኣፍሊጠን ነይረን።
ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ነቲ ብ15 ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ግጭት ንምቍራጽ ዓሊሙ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ መንጐ ሰራዊትን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ ዝተኻየደ ዝርርብ ከማእክላኦ ጸኒሐን እየን።
መብዛሕትኦም ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ካርቱም፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ግብራዊ ኰይኑ ክቕጽል ዝኽእል ብዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት (UN) ዝድገፉ ዓለምለኻውያን ተቘጻጸርቲ ምስ ዝዋፈሩ ጥራይ ከም ዝዀነ ይዛረቡ።
ኣብዚ ዳሕረዋይ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል’ውን እምነት ዝሰኣኑ ነበርቲ ብኣውቶቡሳት እናተጸዓኑ ካብ ካርቱምን ስግር ሩባ ኣባይ ዘለዋ ኣሓት ከተማታታ ባህሪን ኦምዱርማንን ምህዳሞም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ኣብ ኣስታት 20 ናይ ጽዕነት መካይን ዝተሳፈሩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ካብ ሩባ ኣባይ ንምብራቕ ዝዓረዱ ኰይኖም፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ወዲ ስዒድና ንምብፃሕ ድልድል ክሰግሩ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብወገኑ ከበድቲ መዳፍዕ ብምትኳስ ግብረ-መልሲ ይህብ ኣሎ።
እቲ ውግእ ንሓያሎ መዓልታት ዝቐጸለ'ኳ እንተዀነ፡ እናገደደ እዩ መጺኡ።
"ካብ ሎሚ [ሰንበት] ንግሆ ጀሚሩ ፍጻመ-ዓለም ዝበጽሐ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ። እዚ ተዅሲ ደው ምባል ክሳብ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ከሳቕዩና እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል ሓደ ነባሪ ከባቢ ባህሪ ኮጃላብ።
ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ንካርቱምን ካልኦት ክልተ ከተማታትን ዳግማይ ንምቁጽጻር ዝቃለሰሉ ዘሎ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ካብ ኣየር ንምውቃዕ ዝጥቀመሉ ስትራተጂያዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክስእኖ ድልየት የብሉን።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ኦምዱርማን’ውን መጥቃዕቲ ኣየር ዝተፈጸመ ኰይኑ ኣብ ደቡባዊ ከባቢታታ ፍንጀራታት ይስማዕ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምፍጣር ዝተገብረ ሽምግልና ፍሹል ፈተነታት ምዃኑ ኣሚኑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ወሳኒ ለውጢ ከምዘሎ ገሊጹ።
"ኣብ ጅዳ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ብዝተፈለየ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተኸተመ ኰይኑ፡ ብኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝድገፍ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ክትትል ተኹሲ ደው ምባል ዝግበረሉ እዩ" ክብል ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ ሓቢሩ።
ሰራዊት ሱዳን በቲ ስምምዕ ከምዝግዛእ እኳ እንተገለጸ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ግን ርእይቶ ኣይሃበን።
እቲ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ እውን ዘኽእል እዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን "ክልቲኦም ወገናት ነዚ ስምምዕ ክግዝኡ እልምን፤ ኣዒንቲ ዓለም ይዕዘባ ኣለዋ" ክብል ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ።
በቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ቅድሚ እቲ ግጭት'ውን ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ሓገዝ ጽግዕተኛ ከም ዝነበረን እቲ ኩነታት እናገደደ ክኸይድ ከም ዘሎን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ።
ክልቲኦም ወገናት ብ11 ግንቦት ኣብ ሱዳን ንሰብኣዊ ሓገዝ ምቹእ ኵነታት ንምንጻፍ ዝዓለመ ስምም ፈሪሞም ነይሮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ግን ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣገዳስን ዘስካሕክሕን" ጥሕሰት ናይቲ ስምምዕ ከም ዝተፈጸመን በዚ ድማ ተዅሲ ደው ምባል ከም ዘይተኻእለን ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



