'ኮሜዲ ዋይልድ ላይፍ ኣዋርድ'፡ ናይ 2025 ኣዛነይቲ ስእልታት

ምንጪ ስእሊ, Alison Tuck

መግለጺ ስእሊ, "ሕጅስ ገዛይ በየን ኣሎ'የ ክብል"
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እዛ ገጻን ርእሳን ብሳዕሪ ዝተሸፈነት ዑፍ: ሓንቲ ካብተን ንውድድር ዝቐረባ ስእልታት'ያ ነይራ።

ዕዉት እዚ 'ኮሜዲ ዋይልፍ ላይፍ ኣዋርድ' ዝተባህለ ውድድር ተፈሊጡ ኣሎ።

ሎሚ ዓመት ካብ 109 ሃገራት ልዕሊ 10 ሽሕ ስድልታት'ዩ ንውድድር ቀሪቡ።

እዚ ከኣ፡ እዚ ውድድር ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝጅመር፡ ዝበዝሐ ስእልታት ንውድድር ዝቐረበሉ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እዚ ውድድእ ኣብ 2015 ብውሩይ ብሪጣንያዊ ስኣሊ እንስሳታት ፖል ጆይሰን ሂክስ'ዩ ጀሚሩ።

ሓሙሽተ ዕውታት ስእልታት

ምንጪ ስእሊ, Mark Meth Cohn

መግለጺ ስእሊ, 'ሰብኣይ እንተዀይንካ ንዓ ቅረብ፤ ኣፍ ልብኻ ኢለ ክሽንድሓካ'የ'

እዛ ዕውትቲ ስእሊ ኣብ ርዋንዳ ብሰኣሊ ማርክ መዝ ኮሀን'ያ ተሳኢላ።

ንሱ ኣብቲ እምባታት ዝበዝሖ ጫካታት ንእኩባት ጉሬላታት ንምርካብ ኣርባዕተ መዓልታት'ዩ ተጸቢዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቶም ኣማሁሮ ተባሂሎም ዝጽውዑ ስድራ ጉሬላ ረኺብዎም።

ሓደ ካብቶም ኣባላት ጉሬላታት ከኣ ልክዕ ከምዚ ምርኢት ኣርእዮም ዝተባህለ ኣብ ጥቃኦም ኰይኑ ፍሉይ ምንቅስቓስ ክገብር ጀሚሩ።

ማርክ ነታ ህሞት ክዝክራ እንከሎ "ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዘለዎ፡ ኣዝዩ ተምሳጥን ሓጎስን ዝፈጥር ምንቅስቓስ'ዩ ነይሩ፡" ይብል።

ናይ ጁንየር ተዓዋቲ፡ 'ብዘይ ድልየታ ዝተጠመቐት እንቅርዖብ"

ምንጪ ስእሊ, Grayson Bell

መግለጺ ስእሊ, " ሎሚ ዘይተጠመቕካ ድኣ ምዓስ ክትጥመቕ"

ግራይሶን ነቲ ንጁንየር [ትሕቲ 16 ዕድመኦም] ዝውሃብ ሽልማት'ዩ ተዓዊቱ።

ግራይሶን ኣብ ሕቡራት ኣመሪካ፡ ማይነ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ነቶም ቀጠልያ ዝሕብሮም እንቕርዖብ'ዩ ዝስእል ነይሩ።

ክሳብ ነቲ ስእሊ ናብ ገዛ ከይዱ ዝርእዮ ከኣ ከምዚ ዓይነት መሳጢ ስእሊ ከም ዝስኣለ ኣይተረድኦን።

"ንስድራይ ኣርእየዮም ኣዝዮም ፈትዮማ፤ ሓንቲ ካብተን ኣዝየ ዝፈትወን ስእልታት ኰይናትለይ፡ ኣብቲ ስእሊ እቲ ሓደ ነታ ሓደ ዘጠምቖ ዘሎ'ዩ ዝመስል፡" ይብል።

ካብ ንኣሽቱ ሰኣልቲ ዝተዓወተት ስእሊ፡ "ሳዕስዒት እተን ወኻሩ"

ምንጪ ስእሊ, Paula Rustemeier

መግለጺ ስእሊ, "ሳዕስዒት እንተዀይኑ 'መሬት ልሒስካ ትትስኣሉ ክኸውን ኣለዎ"

እዘን ሰለስተ ቀያሕቲ ወኻሩ ኣብ ሓደ ሑጻ ዝበዝሖ ቦታ ኣብ ሓደ ዕሙር ጓይላ ዘለዋ'የን ዝመስላ።

እዛ ስእሊ ብፓውል ራስትመየር'ያ ተሳኢላ። ነቲ ንትሕቲ 25 ዓመት ዝወሃብ ሽልማት ከኣ ተዓዋቲት ኰይና።

ፓል "ብሓቂ ምስቲ ቅልል ዝበለ ስብእነቶም ክጻወቱ ንኽትዕዘብ ብዙሕ ክትጽበ ኣለካ፡" ይብል።

ብስሓቕ ፍሕስ ከብለና ዝኽእል ካልእ ተወሳኺ ስእልታት

ምንጪ ስእሊ, Christy Grinton

መግለጺ ስእሊ, 'ያ ጀምዓ ናይ ሕማመይ'ዶ መሲለ?'

ሓደ ሓደ ግዜ ጸጉርና ወንጨርጨር ይብለና ይኸውን'ዩ ።

ናይ'ዛ ኣብ ካናዳ ብክሪስቲ ግሪንቶን ዝተሰኣለን ስእሊ ግን ኣየውርድ'ዩ።

ቆናኒት ዝጠለመታ' ያ ትመስል፤ ወረ ሓንሳብ ጥራይ ኣይኰነትን ጠሊማታ።

ምንጪ ስእሊ, Erkko Badermann

መግለጺ ስእሊ, 'ኣነ ዝኽእሎ መን ይኽእሎ"

እዛ ብኢርኮ ባደርማን ኣብ ፊንላንድ ዝተሳኣለት ዑፍ ክንፋ ዘርጊሓ ብእግራ ኣብ ማይ እናዓለበት ትረአ።

ምንጪ ስእሊ, Warren Price

መግለጺ ስእሊ, "እስከ ስቕ በል!"

መቸም ኣብ ከባቢና ዘረባ ዘየቋርጽ ሰብ ይህልወና'ዩ።

ኣብ የዕዋፍ'ውን ከምኡ ኣሎ መስለኒ።

እዛ ኣብ ኖርወይ ብዋረን ዝተሰኣለት ስእሊ ከኣ ነዚ ትርኢ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, Liliana Luca

መግለጺ ስእሊ, 'ምስ ዓቢ ሓወይ'የ ዘለኹ፡ እስኪ ሕጂ ንዓ ተንክፍኒ"

ምንጪ ስእሊ, Valtteri Mulkahainen

መግለጺ ስእሊ, 'ብቀደሙ ዘይጽቡቕ ስኒ እንጣጢዕ ቁሒማ ተርእየኒ"

ምንጪ ስእሊ, Annette Kirby

መግለጺ ስእሊ, 'ያ ጀምዓ ብስሓቕ ኣቝሲልኩሙና"