ትራምፕ ንፑቲን ኣብ ዝነቕፈሉ ዘሎ እዋን፡ ዩክረይን ሓያል መጥቃዕቲ ይወርዳ

ምንጪ ስእሊ, DSNS Ukraine
ሩስያ ብሓንሳብ 728 ድሮናትን 13 ክሩዝ ምሳይላትን ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ካብ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈጸሙ ብዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተሃርመት ገሊጹ።
ዘለንስኪ ነቲ "ሓባሪ መጥቃዕቲ" ብምኹናን፡ እቲ መጥቃዕቲ "ልክዕ ኣብቲ ሰላም ንምዕዋት፡ ተኹሲ ደው ንምባል ብዙሕ ጻዕርታት ኣብ ዝግበረሉ ይፍጸምኳ እንተሃለወ ፡ ሩስያ ግን ንኹሎም ተፍርሶም ኣላ።" ኢሉ።
እዚ ናይ ሓደ ለይቲ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ናብ ኪየቭ ተወሳኺ ኣጽዋር ክትሰድድ እያ ድሕሪ ምባሉ'ዩ።
ብሰሉስ መራሒ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘለዎ ቅሬታን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓቂ ክትፈልጡ እንተደሊኹም፡ ፑቲን ብዙሕ ዘይከውን ነገራት ይገብር ኣሎ፡ "ብምባል ምስኡ ዘለዎ ርክብ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ ትርጉም ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ሞስኮ "ብዛዕባ እዚ ሰኸን ኢላ ኣላ። ኣዘራርባ ትራምፕ፡ ዝጥቀመሉ ሓረጋት ብሓፈሻ ኣዝዩ ተሪር እዩ" ኢሉ።
ክልቲኦም መራሕቲ ስሩዕ ርክብ ይገብሩ እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ትራምፕ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መዓልቲ ክበጽሖ ከምዝኽእል ዝገለጾ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዩክረይን ተኹሲ ደው ንምባል ናብ ዝጭበጥ ስጉምትታት ክትርጎም ኣይከኣለን።
ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ትራምፕ "ክቕጽል እዩ ዝደሊ እዚ ድማ ሰባት ምቕታል ጣራይ'ዩ ዘምጸእ። እዚ ከኣ ጽቡቕ ኣይኮነን" ብምባል ፈጺሙ ከምዝይተሓጎሰ ገሊጹ።
እዚ ነቐፌታ ምምሕዳር ትራምፕ ንዩክረይን ዝህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ክብል፡ ብሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰትን ምክትል ጸሓፊ ምክልኻል ፖሊሲ ኤልብሪጅ ኮልቢን ፍቓድ ከምዝተዋህቦ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን'ውን እንተኾነ ቀጺሉ እዩ።
ትማሊ ሰሉስ እቲ ውሳነ ብመን ከምዝተወስደ ሕቶ ዝቐረበሉ ትራምፕ ግን እቲ ኣብ ጎኒ ኣብ ጎኒ ሄግሰት ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ትራምፕ "ኣይፈለጥኩን። ስለምንታይ ዘይተነግረኒ?" ክብልዩ ተሰሚዑ።
እቲ ውሳነ ምግልባጡ ድማ ሕጂ 10 ፓትሪዮት ሚሳይላት ናብ ዩክረይን ክለኣኹ ከምዝኽእሉ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ኣክሲዮስ ሓቢሩ።
ኪየቭ፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሩስያ ንምምካት ኣብቶም መከላኸሊ ነፈርቲ ትምርኮስ።
ትራምፕ ብተወሳኺ ነቲ ብሪፓብሊካን ሰነተር ሊንድሲ ግራሃም ዝተዳለወ እማመ እገዳ "ይርእዮ" ከምዘሎን እዚ እማመ እዚ ኣብ ልዕሊ ምስ ሩስያ ዝነግዳ ሃገራት 500% ቀረጽ ክግበር ከምዝኽእል ትማሊ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክገብር ምዃኑ ከፈራርሕ እኳ እንተጸንሐ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ እገዳ ክገብር ኣይከኣለን። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ እገዳታት "ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝሓትት" ከም ዘመልከተ ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ እንተተበጽሐ ንምርኣይ ይጽበ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ይኹን እምበር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ንሱን ፑቲንን ብዛዕባ እገዳ "ብዙሕ" ከምዝተዘራረቡ ብምግላጽ፡ "ክመጽእ ከምዝኽእል ይርዳእ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ምብራቕ እታ ሃገርን ኪየቭን ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ዝኣትዋ እኳ እንተኾና፡ ካብ መጥቃዕቲ ሩስያ ዝደሓነ ዝኾነ ኩርናዕ ዩክረይን ግን ኣይተረፈን።
ካብ ዶብ ፖላንድ 90 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብን ማእከል መተሓላለፊ ወተሃደራውን ሰብኣውን ሓገዛት ዝኾነት ከተማ ሉትስክ፡ በቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብከቢድ ተጸልያ ኣላ።
ኣብ ምዕራባውያን ከተማታት ልቪቭን ሪቭነን እውን ፍንጀራ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።
ሰብመዚ ሩስያ ብወገኖም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዶባዊ ዞባ ኩርስክ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዩክረይን ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 7 ካልኦት ድማ ቆም ዝቖሰሉ ሓቢሮም።
ንጽባሒቱውን ሓደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ብዘጋጠሞ መጉዳእቲ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ክልተ ዙርያታት ዝርርብ ተኹሲ ምቁራጽ ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ካልእ ውጥን ኣኼባታት ኣይተገብረን። ሞስኮ ይኹን ኪየቭ ድማ ነቲ ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ ወራር ዝተበገሰ ግጭት ዲፕሎማሲ ከምዝፈትሖ ተስፋ ዘለወን ኣይመስላን።
ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዋዕላ ምሕዋይ ዩክረይን ንምስታፍ ኣብ ሮማ ይርከብ። ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከምዝተራኸቡን ምስ ልኡኽ ኣመሪካ ኪት ኬሎግ እውን ክራኸቡ ምዃኖምን ተፈለጡ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ንቻንስለር ጀርመን ፍሪደሪክ መርዝ ሓዊሱ ሓያሎ መራሕቲ ኤውሮጳ እውን ክሳተፉ እዮም፤ ንሱ ሎሚ ረቡዕ ነቲ ኲናት ንምፍታሕ ዲፕሎማስያዊ ኣገባባት ከምዝተጸንቀቐን ንዩክረይን ምክልኻል ኣየር ከምዘቕርባ ቃል ከምዝኣተወን ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይ እተካይዶ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ።
ፔስኮቭ ሎሚ ረቡዕ "ንቕድሚት ንኸይድ ኣለና" ብምባል፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ መዓልቲ ዩክረናውያን ነቲ ሓድሽ ክውንነት ክቕበልዎ ኣለዎም" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



