ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ፈላማይ እማመ ቁጽጽር ኣጽዋር ኣጽዲቑ

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ሰለሳ ዓመታት ዝሓየለ ዝተባህለ እማመ ቍጽጽር መሳርሒታት ኲናት ኣጽዲቑ፡፡

ኣብቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኮንግረስ ዝተኻየደ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ 15 ኣባላት ሰልፊ ሪፖብሊካን ነቶም ነቲ ሕጊ ክወጽእ ዝቃለሱ ዘለዉ ዴሞክራት ክድግፉ እንከለው፡ እቲ እማመ 65 ን 33 ብዝዀነ ድምጺ ሓሊፉ ኣሎ፡፡

እቲ እማመ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ ዕዳጋን ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርትን ዝተፈጸሙ ህይወት 31 ሰባት ዘጥፍኡ ጃምላዊ ቅትለታት ስዒቡ ዝወጽእ ዘሎ እዩ፡፡

እዚ እማመ፡ ብፕረዚደንት ባይደን ሕጊ ኮይኑ ቅድሚ ምጽዳቑ ግን፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ክጸድቕ ኣለዎ፡፡

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ክፍጸም ይኽእል እዩ፡፡

እንተዀነ እቲ እማመ ክንዲ እቲ ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራትን ጐስጎስትን ዝሓሰብዎ ከም ዘይኰነ እዩ ዝግለጽ፡፡

እቲ ምምሕያሽ፡ ኣጽዋር ኣብ ዝገዝኡ ትሕቲ 21 ዝዕድመኦም ሰባት ጥቡቕ ምጽራይ ድሕረ ባይታ ምግባር፣ ንመደባት ጥዕና ኣእምሮን ምምሕያሽ ድሕነት ኣብያተ ትምህርቲ ዝውዕል ናይ 15 ቢልዮን ዶላር ፈሰስን ዘጠቓልል እዩ፡፡

ብተወሳኺ፡ ግዝኣታት ኣመሪካ ስግኣት ኢለን ካብ ዝሓሰባኦም ውልቀሰባት፡ ዕጥቂ ከፍትሓ ዝገብር ሕጊ ንምትግባር ሓገዝ ክረኽባ ዘበራትዕ እውን እዩ፡፡

ኣብ ልዕሊ መጻምዶም መጥቃዕቲ ንዝፍጽሙ ዘይተመርዓዉ ሰባት'ውን ኣጽዋር ኲናት ክገዝኡ ኣይክፍቀደሎምን፡፡

ኣብ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ቁጽጽር ንምክያድ ዝወጽኡ እማመታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣባላት ሪፐብሊካን ክንጸጕ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ክንድ'ቲ ናይ ሎሚ፡ ካብ ሰልፊታት ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ድጋፍ ረኺቦም ኣይፈልጡን፡፡

ነቲ እማመ ዝደገፉ ሰናተራት፡ እቲ እማመ ሕጊ ኰይኑ እንተጸዲቑ፡ ኣመሪካ ‘‘ዝሓሸት ውሕስቲ’’ ከም ዝገብራ ይገልጹ፡፡

‘ጋን ሴፍቲ ግሩፕ’ ዝተባህለ፡ ኣብ 2018 ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝተረፉ ሰባት ዝተመስረተ ትካል፡ ነቲ እማመ ክድግፍ እንከሎ ማሕበር ወነንቲ ኣጽዋር ኣመሪካ (ኤን ኣር ኤ) ግና እቲ እማመ ለውጢ ኣየምጽእን ብምባል ተቓዊምዎ፡፡

ኣመሪካ ካብ ሃብታም ሃገራት፡ ዝለዓለ መጠን ብኣጽዋር ዝፍጸም ቅትለት ዝምዝገበላ ሃገር እያ፡፡