ንሰበይቱ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ግብጻዊ ላዕለዋይ ዳይና ይድለ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, @Shimaa_gamal7
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣቕራቢት መደባት ተሌቪዥን ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ ካብ ሓደ ኣብ ጥቓ ካይሮ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ከምዝጠፍአት ዘመልከተ ላዕለዋይ ግብጻዊ ዳይና፡ ብቕትለት ሰበይቱ ተጠርጢሩ ይድለ ኣሎ፡፡
ናይቲ ኣይመን ሓጃጅ ዝተባህለ ዳይና ተሓባባሪ ከምዝኾነ ዝገለጸ ውልቀ ሰብ፡ ናብቲ ሬሳ ናይታ ሻይማ ጋማል ዝተባህለት ግዳይ ዝርከበሉ ግራት ከምዝመረሖም ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ፡፡
እታ ውልቀ ሰብ መንነታ ከይፍለጥ፡ ኣካላታ ንምብትታን ከምዝተፈተነ እውን ሰብመዚ ገሊጾም፡፡
ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ከምዝገለጾ፡ እታ ኣቕራቢት መደባት ተሌቪዥን ንመወዳእታ ግዜ ምስ በዓል ቤታ ኣብቲ ማእከል ዕዳጋ እያ ተራእያ፡፡
እቲ ተኸሳሲ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኮይኑ፡ ናይ ምኽሳስ መሰሉ ተላዒሉ ኣሎ፡፡
ዳይና ሓጃጅ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ናይ ካናዳን ፖላንድን ቪዛ ብምርካቡ ድማ ዓለምለኻዊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺእሉ ኣሎ፡፡
ኣቕራቢት መደባት ቴሌቪዥን ዝኾነት ጋማል ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ቀጥታ ፈነወ፡ ሄሮይን ዝተባህለ ኣደንዛዚ እጽ ብኣፍንጫኣ ብምስሓባ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ፡፡ ዋላ'ኳ እቲ ዝሰሓበቶ ሽኮር ከምዝኾነ እንተገለጸት፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ግን ካብ ስራሓ ተኣጊዳ ነይራ፡፡
ሓደ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ ግብጺ፡ ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ከምዝኾና መረዳእታታት ይሕብሩ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



