ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

ምንጪ ስእሊ, EBC

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መንጐ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከይዓርግ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።

ከምቲ ልሙድ ድማ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት'ውን መራሕቲ ኢትዮጵያ ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ናይ "ምምላስ" ሕልምን ውጥንን ከምዘለዋ ከቃልሑ ተሰሚዖም።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴ፡ ብኣጋጣሚ መበል 130 ዓመት ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ "ዘልኣለማውን" ካብ ጉዳይ ልዑላውነት ዘይፍለን ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ነባርን ዘተኣማምንን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልና፡ ካብቲ ሰማእታት ዓድዋ ብሓላፍነት ኣባና ዘሕድሩዎ ናይ ልዑላውነት እምነት ዘይፍለ እዩ፡" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ዝምጉት።

ኣብቲ በዓል ተረኺቡ ዝነበረ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ "ከዳዓት ደቂ ሃገር፡ ምስቶም ግድብ ኣባይ ከይንሃንጽ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ከይነውሕስን ልምዓት ከይንጓናጸፍን ዝብህጉ ጸላእቲ ወጊኖም ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለዉ፡" ክብል ከሲሱ።

ሓላፊ ቤትጽሕፈት ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ይመር መኮነን እውን፡ ኣብ ድሮ በዓል ዓወት ዓድዋ ንመንእሰያት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ሰራዊት እታ ሃገር "ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው ምዃኑ" ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቲ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ክትብል ዘይደለየት ኣስመራ ብወገና፡ መግለጺታት መራሕቲ ኢትዮጵያ "ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ሓደገኛ ሳዕቤናት" ዘለዎ ምዃኑ ኣጠንቂቓ'ላ።

ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ ምላሽ፡ ዝበዝሐ እዋን ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር እዩ ዝወጽእ።

"ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ እናተደጋገመ ዝቐርብ ሓደ ቃና ዘለዎ መዝሙር፡ ተመሳሳሊ መርዛምን ዘይሕጋውን ምንዳይ 'ልኡላዊ' ኣፍደገ ባሕሪ" እዩ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ለይቲ ብኤክስ ምላሽ ሂቡ'ሎ።

"ፖለቲካዊ ጸወታ ትያትር ሰልፊ ፖተምኪን [ብልጽግና] እናሓደረ ናብ ትርጉም-ኣልቦነት ይሰጋገር ኣሎ"።

እቲ "ብስም 'ህጹጽ ኣድላይነት ልምዓት' 'ነጺሁን ተሓጺቡን' ዝቐርብ ዘሎ ጠለብ፡ ዘርኢ ዘየድሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን" ምዃኑ'ዩ የማነ ዝነቅፍ።

ትማሊ ኣብ ዝወጸ ቃለመሕትት፡ ነቲ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ 2023 ኣትሒዙ ከም ዛዕባ ናብ ባይቶን ኪኖኡን ብምምጻእ ኣጀንዳ ዝገበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምስላታት ዝተወንዘፈ ነቐፌታን መጠንቀቕታን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መራሕታን ወርዊሩ ነይሩ።

ኣብቲ ንህወሓት እውን ኣልሚሙ ዝዓመመ ባጫ ዝተሓወሶ መልሲ፡ "ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን" ክብል ግጭት እንተ ተወሊዑ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣሚቱ።

"ህወሓት፡ ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማውያን ሓይልታት ወዘልዘል ይብል ኣሎ፤ ባዕሉ ዝፈጠሮም ጸገማት ከም ሰበብ ተጠቒሙ ድማ ውግእ ይቕስቕስ ኣሎ። ካብ ቃላት ሓሊፉ ናብ ወተሃደራዊ ምትንኻፍ እንተኣትዩ ግን፡ 'ከም ቀደም ይመስለክን ውሑጅ ይወስደክን' ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል፡" ክብል ኣጠንቂቝ።

ህወሓት ብመገዲ "ጽምዶ" ዝተባህለ ተበግሶ፡ ድሕሪ ደማዊ ኲናት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ርክብን ዝምድናን ኣብ ምምስራት ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብ3 መጋቢት 2026 ዝተፈነወ ቃለ መጠይቑ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ሕጂ'ዉን ብምትኹታዃት ከሲሱዎ።

"ሕዚ'ዉን ኣለኹ'የ ንምባል፡ ውጥም ቅልቅል ይብል ኣሎ፤ መልእኽተይ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ንዅሎም ቀንጠብጠብ እትብል 'ዛ ዳዋ፡ ተምጽኦ ኣለዋ' ጥራይ እየ ክብሎም ዝኽእል፡" ኢሉ።

ኣብ ክፍላ ጥሪ ቃለመሕትት ኣካይዱ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ውን ነቲ ብወገን ኣቢይ ዝወሃብ መግለጺታት፡ "ኣብ ናታቶም መኣዲ ናይ ቆይቊ፡ መኣዲ ናይ ሓሶት፡ መኣዲ ናይ ምድንጋር ክንዕደም የብልናን፡ ስራሕና ክንገብር ክንክእል ኣለና" ክብል ምላሽ ሂቡሉ ነይሩ።

"ዜና ናትና ከማን ክጠቕሶ የብሉን ክዛረበሉ ደይብሉ ጉዳይ'ዩ እዚ" ክብል ብምንእኣስ "ናብ ከምዚ ድኣመሰለ ቅልውላው ዘምርሕ ሰብ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ፈራሕ፡ ስሱዕ ጥራይ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ክልቲአን ሃገራት'ውን መቓልሕ ናይቶም መራሕትን ሰበስልጣንን ኣብ ምግዋሕ ተጸሚደን ይርከባ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት "ጊሐስ ኣብ ክንዲ ትስተር ትግተር" ዝብል ጽሑፍ ኣስፊራ ዝነበረት መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ ንዝወጸ መልእኽቲ ዘቃለሐ'ዩ ነይሩ።

ብወገን ኣዲስ ኣበባ'ውን፡ ኤርትራ ሕገ-መንግስቲ፡ ሃገራዊ ባይቶን ሰልፍታትን ዘይብላ "ዝፈረሰት ሃገር" እያ ዝብል ዝርከቦ ሕጫጨታት ካብ ምፍናው ኣየቋረጻን።

ዋላ'ኳ ዳርባ ቃላት ክልቲኡ ወገናት ናብ ባጫ፡ ምሕጫጭን ምስላታትን ሰጊሩ ዝፎኾሰ እንተመሰለ፡ ሕመረት ናይቲ ወጥሪ ጉዳይ ሰላምን ኲናትን ብምዃኑ ስግኣት ካብ ምፍጣር ዓዲ ኣይወዓለን።

ብደግሲ ደማዊ ግጭታት ዝላደየ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት "ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ" ከምዝብሃል ኲናት ዳግማይ ከይውላዕ ከብዱ ሓቚፉ ይርከብ።