ፍሉይ ክስተት ተፈጥሮ፡ ብብርሃናት ሰሜን ዝደመቐ ሰማያት ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, BBC WeatherWatchers/Highland Dean

መግለጺ ስእሊ, ብተፈጥሮኣዊ ትእምርትን ተኣምራትን ዝድነቑ ነበርቲ ከባቢታት ሰሜናዊ-ምብራቕ ስኮትላንድ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እዚ ወቕቲ'ዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣውሮጳ ፍሉይ ምርኢት ተፈጥሮ ዝኽሰተሉ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ እቶም ብዝዘቕበበ ደበናታት ዝተሸፈኑ ሰማያት ብሪጣንያ ደሚቖም ክራኣዩ ቐንዮም።

ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝወቀቡ ብርሃናት ሰሜን (ኣውሮራስ) ከም ዓመታዊ ነጋድያን ነቶም ዘቋምቱ ባህታ ፈጢሮም ኣለዉ።

እቲ ብርሃናት ኣብዚ ሰሙን'ዚ ጸሓይ ዝተፍኣቶ 'ኮሮናል ማስ ኢጀክሽን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባርዕ ሓዊ ዝፈጠሮ'ዩ። እቲ ዝገንፈለ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ሰማያት (ኣትሞስፌር) ምድሪ ብጸልማት ደሚቑ ይርአ።

ንገለ ካብቶም ብዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዓይኒ ካሜራ ዝኣተዉ ብርሃናት ጆባእ ንብለኩም፡

ምንጪ ስእሊ, Michael MacDonald/Invergordon RNLI

መግለጺ ስእሊ, ዝበለጸ ዕድል ዝረኸቡ ነበርቲ ኢንበርጎርደን (ሰሜናዊ-ምብራቕ ስኮትላንድ)

ምንጪ ስእሊ, David/BBC Weather Watchers

መግለጺ ስእሊ, ካብ ቦናር ብሪጅ (ሰሜን ስኮትላንድ) ዝተወስደ ስእሊ ብርሃናት ሰሜን

ምንጪ ስእሊ, Hang Ross/BBC Weather Watchers

መግለጺ ስእሊ, ንተፈጥሮ ምድሪ ግርማ ዝሰለመ ብርሃናት ሰሜን ኣብ ከባቢ ሃምሼር (ዓዲ-እንግሊዝ)

ምንጪ ስእሊ, BBC WeatherWatchers/Leonard

መግለጺ ስእሊ, ካብ ከባቢ ዳምፍሪስን ጋሎወይን (ስኮትላንድ) ዝተወስደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Colin Conti/BBC Weather Watchers

መግለጺ ስእሊ, ንገማግም ባሕሪ ሞረይ ዘገረመ መጋረጃ ብርሃናት ሰሜን

ምንጪ ስእሊ, Skywatcher/BBC Weather Watchers

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ሃዲንግተን (ስኮትላንድ) እውን ተቛደስቲ ዓንዲ ብርሃናት ሰሜን ኮይኖም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, BBC Weather Watchers / SJMC

መግለጺ ስእሊ, ንሰማያት ዊራል ዝሸፈነ ድሙቕ ብርሃናት ሰሜን

ምንጪ ስእሊ, Nigel Fairclough

መግለጺ ስእሊ, ናይጀል ፌርክላው ዝተባህለ ተልሜደን ስኣላይ ዝሰነዶ ዘገርም ትርኢት ኣብ ኣይር (ደቡባዊ-ምዕራብ ስኮትላንድ)