ኤርዶጋንን ኪሊችዳሮግሉን ትኹረቶም ኣብ ስደተኛታት ገይሮም ይነሓንሑ'ለዉ

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብዓርቢ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዘካየዶ ሰልፊ ዓቢ ደገፍ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብዓርቢ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዘካየዶ ሰልፊ ዓቢ ደገፍ ረኺቡ

ተቓዋሚ ሰልፊ ከማል ኪሊችዳሮግሉ፡ ድምጺ ሃገራውያን ንክረክብ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሶርያውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክሰጉግ ቃል ኣትዩ።

ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ብወገኑ፡ ንከማል ኪሊችዳሮግሉ ብናይ ጽልኢ ዘረባ ከሲሱ፤ ወሲኹ ዓወት ኪሊክዳሮግሉ፡ ዓወት ኣሸበርቲ ክኸውን እዩ ኢሉ።

እቲ ሕጹይ ተቓዋሚ፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብ2.5 ሚልዮን ድምጺ ተመሪሑ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ክዕወት ትጽቢት ዝግበር'ኳ እንተዀነ፡ መወዳድርቱ ግን እቲ ፍልልይ ክጸብብ ከም ዝኽእል ይኣምን።

እቶም 2.8 ሚልዮን ደገፍቲ ናይቲ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ ኣዝዩ ሃገራዊ ሕጹይ ወይ ድማ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዙር መረጻ ድምጾም ዘይሃቡ ሸሞንተ ሚልዮን መራጽቲ ኣብቲ ውጽኢት ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ይሓስብ።

ኣብዚ ሰሙን ከማል ኪሊችዳሮግሉ ኣብ ባባላ ቲቪ እትበሃል ናይ ዩትዩብ ቻነል ንኣርባዕተ ሰዓታት ሕቶታት ተዓዘብቲ ኣኣንጊዱ ነይሩ። እቲ ፈነወ ልዕሊ 24 ሚልዮን ግዜ ዝተረኣየ ክኸውን እንከሎ፡ ቁጽሪ ህዝቢ ቱርኪ ድማ 85 ሚልዮን እዩ።

ከማል ኪሊችዳሮግሉ ኣብ ባባላ ቲቪ እትበሃል ናይ ዩትዩብ ቻነል ንኣርባዕተ ሰዓታት ሕቶታት ተዓዘብቲ ኣኣንጊዱ

ምንጪ ስእሊ, BABALA TV

መግለጺ ስእሊ, ከማል ኪሊችዳሮግሉ ኣብ ባባላ ቲቪ እትበሃል ናይ ዩትዩብ ቻነል ንኣርባዕተ ሰዓታት ሕቶታት ተዓዘብቲ ኣኣንጊዱ

ሜህተፕ ዝተበሃለት መራሒት ጎስጓስ መንእሰያት፡ ከማል ኪሊችዳሮግሉ ኣብ ዩትዩብ ምቕራቡ ውጽኢት ክህልዎ ከም ዝኽእል ትግምት፡ "ኣብ ቲቪ ባባላ ምቕራቡ ንብዙሓት ዘይመረጹ መንእሰያት ጸልይዎም'ዩ።"

ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ፡ መራጽቲ ሓቀኛ ኣማራጺ ረኺቦም ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም፡ እንተዀነ ግን ቱርኪ "ዲሞክራስያዊ መረጻ ንምክያድ መሰረታዊ መትከላት ኣይኣማልአትን" ይብሉ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዘመተ ኣካይዱ’ዩ፤ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ’ውን ተኣሲሮም እዮም።

ዓወት ኤርዶጋንን ተወሳኺ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ትጽቢት ብምግባር፡ ፋይናንሳዊ ትካላት ግብረ መልሲ ሂቦም እዮም፤ ብዓርቢ ዋጋ ሊራ ቱርኪ ኣንጻር ዶላር ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዘይተረኣየ ትሑት ደረጃ ወሪዱ’ዩ።

ጠለብ ባጤራ ወጻኢ ኣዝዩ ወሲኹ፤ ማእከላይ ባንክ ዘለዎ ጽሩይ ዕቑር ባጤራ ወጻኢ ግን ካብ 2002 ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ናብ ትሕቲ ባዶ ሸተት ኢሉ ይርከብ።

ኣል ኦዝደሚር ዝተበሃለ ወናኒ ድኳን እሙን ደጋፊ ኤርዶጋን እዩ
መግለጺ ስእሊ, ኣል ኦዝደሚር ዝተበሃለ ወናኒ ድኳን እሙን ደጋፊ ኤርዶጋን እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ኣንካራ ንደቡባዊ ምብራቕ ናይ ሓደ ሰዓት መገዲ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ባላ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር መረጻ ልዕሊ 60 ሚእታዊት መራጽቲ ድምጾም ንፕረዚደንት ኤርዶጋን ሂቦም ነይሮም።

ወናኒ ድኳን ከባብ ዶነር ኣል ኦዝደሚር፡ ኤርዶጋን ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ክመርሕ ከም ዘድምጽ ይዛረብ።

ካልእ በዓል ድኳን ግን ደገፍቲ ኤርዶጋን ዓማዊል ከይስእኑ ስለ ዝሰግአ ንመን ከም ዝድግፍ ንቢቢሲ ክሕብር ኣይደለየን።

ዝዳኸም ዘሎ ቁጠባ ቱርኪ ንኣዋርሕ ትኹረት እቲ መረጻ ኰይኑ’ኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ጉዳይ ስደተኛታት ኣቓልቦ ስሒቡ ይርከብ።

እቲ ኣእዳዉ ብልቢ ቕርጺ ከም ምልክት ጎስጓሱ ዝጥቀም ዝነበረ ወዲ 74 ዓመት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ከማል፤ ኣብ ክንድኡ፡ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ከም ዝሰጕግ ቃል ይኣቱ ኣሎ።

እዚ ድማ ነቶም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንኣልትራናሽናሊስት መራሒ ሲናን ኦጋን ዝደገፉ መረጽቲ ንምስሓብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ’ዩ።

እቲ መራሒ ተቓዋሚ፡ ደገፍ ናይቲ 1.2 ሚልዮን ድምጺ ረኺቡ ዝነበረ ብኡሚት ኦዝዳግ ዝምራሕ ጸረ ስደተኛታት ሰልፊ ቪክትሪ ምርካቡ ኣረጋጊጹ እዩ።

መራሒ ሰልፊ ቪክትሪ ኣብዚ ሰሙን፡ ኪሊችዳሮግሉ "ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዝሰማማዕ" መንገዲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት "13 ሚልዮን ስደተኛታት" ናብ ሃገሮም ክምልስ ከም ዝተሰማምዐ ገሊጹ።

ቱርኪ ካብ ዝዀነት ሃገራት ንላዕሊ ስደተኛታት ተአንግድ ኣላ፡ እንተኾነ ግን ክንድዚ ብዙሕ ዝበሃል ኣይኰነን።

ሶርያውያን ባሮሜተር ዝበሃል ስሩዕ ናይ መጽናዕቲ ዘካይድ ፕሮፌሰር ሙራት ኤርዶጋን (ምስ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝምድና የብሉን)፡ ጠቕላላ ቁጽሪ ሶርያውያን ሓተቲ ዕቑባን ከምኡ’ውን ካብ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝመጹ ዘይስሩዓት ስደተኛታትን ናብ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ሚልዮን ከም ዝቐረበ ይኣምን።

"እቲ ኣገላልጻ ሓቃውነት የብሉን፡ ዘይከኣል'ዩ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር። "ብዛዕባ ብወለንታ [ምምላስ] እንተተዛሪብና ዝከኣል ኣይኰነን፡ ብሓይሊ ድማ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 50 ሽሕ ክምለሱ ኣለዎም ማለት'ዩ።"

እቲ ዘረባ ደስ ዘይብል’ኳ እንተዀነ፡ ግን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ። ክሳብ 85 ሚእታዊት ቱርካውያን ካብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክኸዱ ከም ዝደልዩ ዳህሳስ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኣብ ኢስታንቡል ዝርአ ናይ ኪሊክዳሮግሉ ፖስተር "ሶርያውያን ክኸዱ እዮም! ወስኑ!" ይብል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢስታንቡል ዝርአ ናይ ኪሊክዳሮግሉ ፖስተር "ሶርያውያን ክኸዱ እዮም! ወስኑ!" ይብል

ፖለቲካዊ ሳይንቲስት ነዚህ ኦኑር ኩሩ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮክ፡ ኪሊክዳሮግሉ ንብዙሓት መራጽቲ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ዝስምዖም ስክፍታታት ጸጥታ ይጥቀመሉ ኣሎ ይብል።

"ብሰንኪ ምስ ኲናት ሩስያ፡ ሶርያን ኣዘርባጃንን ዝተኣሳሰር ቅልውላው ስደተኛታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ደረጃ ናይቲ ዝግመት ስግኣታት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ይፈልጥ'ዩ።"

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ድሮ ሶርያውያን ስደተኛታት ይመልሶም ከም ዘሎን ተወሳኺ ክምልስ መደብ ከም ዘለዎን ገሊጹ’ዩ። ቀንዲ መሻርኽቱ ድማ ኤምኤችፒ ዝተበሃለ ርሑቕ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፊ እዩ።

ብተወሳኺ መወዳድርቱ ምስቲ ብምዕራባውያንን ብቱርኪን ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዝቑጸር ኩርዳዊ ዕጡቕ ፒኬኬ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ከመልክት ክሳብ ናይ ሓደ ሰልፊ ዝተሰንዐ ቪድዮ ምጥቃም በጺሑ ኣሎ።

ብዓርቢ፡ ዓወት ኪሊክዳሮግሉ ማለት ዓወት "ሽበራውያን ውድባት" እዩ ኢሉ።

ዕላማኡ ድማ እቲ ድጋፉ ንኪሊችዳሮግሉ ዝገለጸ ኤችዲፒ ዝተበሃለ ደጋፊ-ኩርድሽ ዝዀነ ሰልፊ ምጥቃዕ እዩ። ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ብተደጋጋሚ ነዚ ሰልፊ ምስ ዕጡቓት ፒኬኬ ከተኣሳስር ጽዒሩ እዩ። ኤችዲፒ ግን ምትእስሳር ከም ዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

ኤችዲፒ ንሕጂ፡ ንኪሊክዳሮግሉ ዝድግፎ፡ "ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ስርዓት" ቱርኪ ከብቅዕ ስለ ዝደሊ እዩ።