ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ንክልተ ዓመት ተኣጊዱ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኩባኒያ ፌስቡክ፡ ማሕበራዊ መጥቀሚታት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ንክልተ ዓመት ኣጊዱዎም።

ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ንዘጋጠመ ናዕቢ ዘለዓዕል ጽሑፍ ጽሒፉ ብዝብል ካብ ክልቲኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ክእገድ እንከሎ፡ ትራምፕ "ኣብ ልዕሊ ሕግታትና ከቢድ ጥሕሰት" ፈጺሙ'ዩ ክብል ከሲሱዎ።

ትራምፕ ብወገኑ እቲ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድምጺ ዝሃቡዎ ሚሊዮናት "ጸርፊ'ዩ" ክብል ምላሽ ሂቡሉ።

ፌስቡክ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ቅድም ኢሉ ንፖለቲከኛታት ዝህቦ ዝነበረ ፖሊሲ ሽፋን ከብቅዕ ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ።

በዚ መሰረት ድሕሪ ሕጂ ፖለቲከኛታት ዝህቡዎ መጋገዪ ወይ'ውን ናይ ጸርፊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ፖለቲከኛታት ከም ዘይዕገስ ኣፍሊጡ።

መጥቀሚታት ማሕበራዊ ሚዲያ ዶናልድ ትራምፕ ብ7 ጥሪ 2021 ጀሚሩ ከም ዝተዓጸው ምኽትል ዓለምለኻዊ ጉዳያት ፌስቡክ ኒክ ክሌግ ሓቢሩ።

"ንዶናልድ ትራምፕ ንምእጋድ ድርኺት ዝኾኑና ኣጋጣሚታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተግባራቱ ከቢድ ቕጽዓት ዘስዕቡን ሕግታትና ዝጥሓሱን ምዃኖም ንኣምን። ሕጂ'ውን ንድሕነት ህዝቢ ዘስግኡ ጉዳያት ምህላዎም እንተፈሊጥና እቲ ናይ እገዳ ግዜ ከነናውሖን ክሳብ እቲ ሓደጋ ዝጎድል ክንከታተሎን ኢና" ኢሉ።

ድሕሪ'ዚ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ውሳነ ፌስቡክ ነቲ ድምጹ ዝሃበ 75 ሚሊየን ህዝቢ ጸርፊ'ዩ" ክብል እንከሎ "ክንድ'ዚ ዝኣክል ርሕቐት ምመያ ክኸዱ ኣይምተገብአን፤ እንተኾነ ሕጂ'ውን ክንስዕር ኢና" ኢሉ።

ኣብቲ ማሕበራዊ መጥቀሚታቱ ንክልተ ዓመት ከም ዝተኣገዱ ዝገልጽ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ትራምፕ ንመስራቲ ፌስቡክ ድሂሉዎ።

"ቐጻሊ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ተመለስኩ፡ ምስ ማርክ ዙከርበርግን በዓልቲ ቤቱን ናይ ድራር እንግዶት ኣይህልወናን። ርክብና ናይ ስራሕ ጥራይ'ዩ ዝኸውን!" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዶናልድ ትራምፕ ብናይ ባዕሉ ማሕበራዊ መጥቀሚ ተቐልቂሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ይኹን'ምበር ወርሓዊ ልዕሊ ክልተ ቢሊየን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኩባኒያ ፌስቡክ፡ ንትራምፕ ካብ ትዊተር፣ ዩትዩብ፣ ስናፕቻት፣ ትዊችን ካልኦት ዓይነታት መራኸቢታትን ኣጊዱዎ ይርከብ።

ኣብ ዝሓፈለ ወርሒ ደጋፊ ትራምፕ ኣባል ሪፐብሊካን ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ዴሳንቲስ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ዝተባህለ ንፖለቲከኛታት ዝእግዱ ኩባኒያታት ዝቐጽዕ ሕጊ ፈሪሙ'ዩ።