ኡጋንዳን ታንዛንያ ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዝመውቕ ሻምብቆ ነዳዲ ንምህናጽ ተሰማሚዐን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኡጋንዳን ታንዛንያን ኣብ ምምዕባል ኢንዱስትሪ ነዳድን ጋዝን ኡጋንዳ ዘተኮረ ሰለስተ ኣገደስቲ ስምምዓት ከቲመን።
እቲ ስምምዕ ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ ወጻኢ ሃገር መገሻ፡ ሓዳስ ፕረዚደንት ታንዛንያ ሳምያ ሱሉሁ ሓሰን ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ምዝርጋሕ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ መጉዓዝያን ቀረጽን ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ 1,443 ኪሎ ሜትሮ ዝዝርጋሕ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዝመሓላለፈሉ መስመር ሻምብቆ ብኽልቲአን ሃገራት ዝህነጽ ኮይኑ ካብቲ ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ዝርከብ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢ ኣልበርቲን ናብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ታንዛንያዊት ወደብ ታንጋ ነዳዲ ንምጭንጓዕ ዝዓለመ እዩ።
3.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝግበረሉ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዝመውቕ ሻምብቆ ነዳዲ ክኸውን እዩ።
ህንጸት እቲ ፕሮጀክት ንክጅመር፡ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ መብጽዓ ቀረብ ገንዘብ ክኽትማ ኣለወን።
ኣብ ኡጋንዳ ኣብ 2006 ጭቃ ነዳዲ'ኳ እንተተረኸበ፡ ብሰንኪ ትሑት ትሕተ ቅርጺ ናብ ፍርያ ክሰጋገር ኣይከኣለን።
ህንጸት እቲ ሻምብቆ ንከባቢ 10 ሽሕ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር፡ ነቲ ዞባ ማሕበረ-ቁጠባዊ ረብሓታት ከምጽእ ተስፋ ይግበር።
እንተኾነ ግና እቲ ፕሮጀክት፡ ኣብ ጋብላ ቀላይ ቪክቶርያን ፓርክ እንስሳ መሮር ሰረንጌቲን ዝርከብ ተኣፋፊ ስርዓተ ማሕድሮ [ኢኮሲስተም] ዝርብሽ እዩ ብዝብሉ ሰብ ሞያ ኣከባቢ ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።
ኡጋንዳ ኣብ 2025 ሰደድ ነዳዲ ክትጅምር ትጽቢት ይግበር።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



