ናይጀርያ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ መርዓ 18 ሰባት ቀቲሉ ልዕሊ 30 ኣቑሲሉ

ናይጀርያ
መግለጺ ስእሊ, ናይጀርያ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ፡ ሓደ ዕጡቕ ኣብ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣብ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ጥይት ብምቱኳስ ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 30 ሰባት ከምዘቑሰሉን ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ካዱማ ዝብሃል ዞባ ኣብ ሓንቲ ኩኩን ዳጂ ትብሃል ዓዲ ከምዝተፈጸመ እቲ ካብ ናይጀርያ ዝተፈነወ ዜና ይሕብር።

ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሓበሮ፡ እቲ በዓል ብረት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሓደ ክፉት ቦታ ኮይኖም ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ዝስዕስዑ ዝነበሩ ዕዱማት ኣድራጋ ጠያይት ከምዝቶኮሰ ሓቢሩ።

እቲ ሓላፊ፡ እቶም 15 ሰባት ሽዑ ሽዑ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ሕክምና ምስ በጽሑ ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መርዓውን መርዓትን ግን ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዝድሓኑን፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ'ውን ከምዝሃደመ ተገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ፖሊስ ዞባ ካዱና መሓመድ ጃሊንገ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብርግጽ ከምዝተፈጸመ'ኳ እንተሓበረ፡ ብዝሒ ምውታትን ፈጻሚ እዚ ተግባርን የጻርይዎ ከምዘለዉ ብምሕባር ተወሳኺ ሓበሬታ ክህብ ኣይክኣለን።

መሓመድ ጃሊንገ፡ ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰሰር ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየሎ'ውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ነቲ መጥቃዕቲ መንን ብምንታይ ምኽንያት ነቲ መጥቃዕቲ ፈጸምዎን ዝተሓበረ ነገር የለን።

እንተኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ ቱግቱግ (ሞተርሳይክል) ተወጢሖም ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ፡ ሰባት ጨውዮም ክፍሊት ዝሓቱን ጥሪት ዝሰርቁን ጉጅለ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ይሕበር'ዩ።

ብቀዳም'ውን ኣብቲ ከባቢ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዝርክብዎም ኣብ ሓደ ጫካ ንተፍትሽ ዝወፈሩ 16 ወተሃደራት ብዘይተፈለጡ ዕጡቃት ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ ነይሩ'ዩ።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ልዕሊ 8000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ነዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ንምቁጽጻር ወተሃደራዊ ወፍርን ምሕጽናታን ክካየድ እኳ እንተጸንሓ ነቲ ቅትለት ብርጌሳውያን ግን ደው ከብሎ ኣይክኣለን።

መግለጺ ቪድዮ, ብነዳዲ ዘዕለቕለቕ ግራውቲ ናይጀርያ