ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መርከብ ኲናት ኢራን ብኣመሪካ ከምዝተሃርመት ተረጋጊጹ

    መርከብ ኣይሪስ ኣብ ለካቲት 2023 ኣብ ወደብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ (ብራዘል) ተዓሺጋ እንከላ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, መርከብ ኢራን ኣይሪስ ደና ኣብ ለካቲት 2023 ኣብ ወደብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ (ብራዚል) ተዓሺጋ እንከላ

    ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ካብ ውስጠ-ማያዊት (ሳብማሪን) ብዝተተኮሰላ 'ቶርፔዶ' ከምዝተሃረመት ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ፐንታጐን ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ፒት ሄግሰት ከምዝበሎ፡ "መርከብ ኲናት ኢራን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማያት ውሕስነት ትረክብ መሲሉዋ ነይሩ"።

    "እንተኾነ ብቶርፔዶ ተሃሪማ ጥሒላ" ክብል እታ መርከብ ግዳይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኾነት ኣረጋጊጹ።

    ድሕሪ 1945 (ካልኣይ ኲናት ዓለም) ንፈለማ እዋን'ዩ ሳብማሪን ኣመሪካ ንናይ ጸላኢ መርከብ ብቶርፔዶ [ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝውንጨ ሮኬት] ተሃሪማ ትጥሕል ዘላ።

    ዛጊት ብውሕዱ 80 ኣባላት ናይታ መርከብ ተቐቲሎም ከምዘለዉ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ሓቢሩ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ።

    ኣብታ መርከብ 140 ከምዝነበሩን፡ ብዘይካ 32 እቶም ዝተረፉ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ሰብመዚ ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ገሊጾም ነይሮም።

  2. ሓድሽ ምላሽ ኤርትራ ንሓድሽ መግለጺታት ኢትዮጵያ

    ሓድሽ መግለጺታት መራሕቲ ኢትዮጵያ "ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ሓደገኛ ሳዕቤናት" ኣለዎ ክትብል ኤርትራ ኣጠንቂቓ።

    ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ ምላሽ፡ ዝበዝሐ እዋን ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር እዩ ዝወጽእ።

    "ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ እናተደጋገመ ዝቐርብ ሓደ ቃና ዘለዎ መዝሙር፡ ተመሳሳሊ መርዛምን ዘይሕጋውን ምንዳይ 'ልኡላዊ' ኣፍደገ ባሕሪ" እዩ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ለይቲ ብኤክስ ምላሽ ሂቡ'ሎ።

    "ፖለቲካዊ ጸወታ ትያትር ሰልፊ ፖተምኪን [ብልጽግና] እናሓደረ ናብ ትርጉም-ኣልቦነት ይሰጋገር ኣሎ"።

    እቲ "ብስም 'ህጹጽ ኣድላይነት ልምዓት' 'ነጺሁን ተሓጺቡን' ዝቐርብ ዘሎ ጠለብ፡ ዘርኢ ዘየድሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን" ምዃኑ'ዩ የማነ ዝነቅፍ።

    ትማሊ ኣብ ዝወጸ ቃለመሕትት፡ ነቲ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ 2023 ኣትሒዙ ከም ዛዕባ ናብ ባይቶን ኪኖኡን ብምምጻእ ኣጀንዳ ዝገበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብምስላታት ዝተወንዘፈ ነቐፌታን መጠንቀቕታን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን መራሕታን ወርዊሩ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀ ስላሴ፡ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝርከብዎም መራሕቲ ኢትዮጵያ ብኣጋጣሚ በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም ነይሮም።

  3. ናብ ምሕጫጭን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

  4. ኢትዮጵያ፡ ፈተነ ሰብ ኣልቦ ‘ስማርት’ መደበር ፖሊስ ጀሚራ

    ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ደው ዝበለ ኣባል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ተሽከርከርቲ ፖሊስ ዝራኣያሉ ከባቢ ጽርግያታት ኣብ ቅድሚኡ ይርአ

    ኢትዮጵያ፡ ብቴክኖሎጂ ብዝተሓገዘ ሰብ ኣልቦ መደበር ፖሊስ ኣገልግሎት ክትህብ ጀሚራ።

    እዚ ከም ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ብ9 ለካቲት 2026 ተጀሚሩ ዘሎ ‘ስማርት’ መደበር ፖሊስ፡ እኹል ኣባላት ፀጥታ ኣብ ዘይብለን መደብራት ፖሊስ፡ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ክህሉ ዘኽእል እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣገልግሎት ፖሊስ "ብዝሓሸ ፍጥነትን ቴክኖሎጅን" ናብ ዜጋታት ክበጽሕ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ምዃኑ ይገልጽ።

    ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ዝርከብ ፈላማይ መደብር ፖሊስ፡ ዕግርግር ኣይረኣይን።

    ናብዝን ናብትን ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ፖሊስ እውን የለዉን። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ብዝተቐመጡ ኮምፒተራትን ወይ ታብሌታትን ጥራይ እዩ ኣገልግሎት ዝህብ።

    እታ ሃገር ‘ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030’ ብዝብል ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዲጂታላዊ ስትራተጂ ካብ እተኣታትው ጀሚራ፡ መለለዪ መንነት፡ ስርዓት ክፍሊት፡ ኣገልግሎት ኣብያተ ፍርድን ካልኦት ትካላትን ዲጂታላዊ እናገበረት ትርከብ።

    ይኹን’ምበር እታ ድሩት ተበፃሕነት ኢንተርኔት ዘለዋ ሃገር፡ ብቴክኖሎጂ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድሒራ’ያ ትርከብ።

    ብተወሳኺ ብሰንኪ ግጭታትን ኩናትን ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ይቋረጽ እዩ።

    ሶፍትዌር ኢንጂነር ብርሃን ነጋ፡ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓ ብዝግባእ እንተ ተተግቢሩ፡ ምንግልታዕ ከምዝንክይ ብምጥቃስ፡ በቲ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ሕጒስ ምዃኑ ይገልጽ።

    እንተዀነ ግን፡ "ዲጂታዊ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሰባት ብቐሊሉ ክታለሉ ይኽእሉ እዮም" ብምባል ስክፍታኡ ይጠቅስ።

    ዝያዳ ተጠቀምቲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ክኾኑ ዝኽእሉ ነበርቲ ከተማታት፡ መንእሰያት፡ ትካላት ንግዲን ብሓፈሻ ተጠቀምቲ ስማርትፎናትን ብምዃኖም፡ እቲ ኣገልግሎት ድሩት ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታላዊ ተበፃሕነት ዘይምዕሩይ እዩ። ውድብ ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ 79 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ከምዘይረክብ ይሕብር።

  5. መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ኣብ ገማግም ሲሪላንካ ጥሒላ፡ ሃለዋት ብዙሓት ኣባላታ ኣይተፈልጠን

    ኣብ ከባቢ መርከብ ኢራን ዝጠሓለትሉ ቦታ እትርአ ካልእ ጃልባ

    ምንጪ ስእሊ, re

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ መርከብ ኢራን ዝጠሓለትሉ ቦታ እትርአ ካልእ ጃልባ

    ሓንቲ መርከብ ኲናት ኢራን ኣብ ገማግም ባሕሪ ስሪላንካ ድሕሪ ምጥሓላ ዝበዝሑ ኣባላta ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ኣፈኛ ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃለዋት ናይ 140 ኣባላታ ከምዘይተፈልጠን፡ 32 ካልኦት ካብታ ትጥሕል ዝነበረት መርከብ ከምዘድሓኑን ጠቒሱ።

    ጠንቂ ናይታ 'ኣይሪስ ደና' ዝተባህለት መርከ እንታይ ምዃኑ ከምዘይተፈልጠ'ዩ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

    "ኪኖ ማያትና ዘጋጠመ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ዳህሳስን ምድሓንን እናካይደሉ ዞባ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ብዘለና ዓለምለኻዊ ግዴታ ግብረመልሲ ክንህብ ተገዲድና" ይብል ወሃቢ ቃል ቡደሂካ ሳምፓት።

    "ኣብ ማይ ጸምበለል ዝብሉ ሰባት ረኺብና፡ ኣውጺእናዮም፡ ብድሕሪኡ ምስ ኣጻረና፡ ኣባላት መርከብ ኢራን ምዃኖም ኣረጋጊጽና"።

    ብመሰረት ሰነዳት ናይታ መርከብ፡ 180 ሰባት ከምዝነበሩዋ ይእመን፡ ዋላ'ኳ ቁጽሪ ናይቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ።

    ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ናብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ጥሒላ'ያ ጸኒሓቶም፡ ዝንሳፈፍ ዘይቲን መድሕን ህይወት ዝኾና ንኣሽቱ ጃላቡን ጥራይ እዮም ረኺቦም።

    ብመጥቃዕቲ ውስጠ-ማያውያን (ሳብማሪን) ከምዝጠሓለት ንዝገልጽ ጸብጻባት ዝነጸገ እቲ ኣፈኛ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ከምዘይተፈልጠ'ዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ኣቐድም ኣቢሉ፡ ጸሓፊ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ምክትል ማርሻል ሓይሊ ኣየር ሳምፓት ትዪያኮንታ ንቢቢሲ ቋንቋ ሲንሃላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃለዋት ናይ 140 ዝኾኑ ኣባላት እታ መርከብ ከምዘይተፈልጠ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ዛጊት ሰራዊት ስሪላንካ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክኣለን ዘሎ።

  6. ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኢራን ክትሳተፍ ድያ?

    ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ኢራን ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ኡዝቤኪስታን ማዕረ ድሕሪ ምፍልላያ ንዋንጫ ዓለም 2026 ምሕላፋ ኣረጋጊጻ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዜጋታት ኢራን እትርከበን 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ እዩ። እዚ ድማ ስግኣታት ጸጥታ ንምምካት ዝግበር ጻዕሪ ምዃኑ እዩ ጠቒሱ።

    ተጻወትቲ ዋንጫ ዓለምን ኣሰልጠንቲን ካብዚ ውሳነ ነጻ እኳ እንተዀኑ፡ ኢራን ግን ገለ ካብ ናይ ሰበስልጣናታ ሕቶ ቪዛ ምስተነጽገ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዕጫ ድልድል ምድብ ከምእትስሕብ ኣፈራሪሓ ነይራ።

    ኢራን ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትጻወት እንተዀይና ግን፡ እታ ጋንታ እተካይዶም ጸወታታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣሪዞና ክትገብሮ ዝሓዘቶ መደብ ልምምድ ብዝምልከት ዝያዳ ምጽራይ ክግበር ተኽእሎ ኣሎ።

    እታ ሃገር ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ኢራን ጃምላዊ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ፡ ኣንጻር ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ጸወታታት ኣካይዳ።

  7. ኩዌት ማዕበላዊ ደብዳብ ሚሳኤልን ድሮንን ይፍጸማ’ሎ

    ሰራዊት ምክልኻል ኩዌት ማዕበላዊ ደብዳባት ሚሳኤልን ድሮንን ይበጽሖ ከም ዘሎ ሕጂ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልከት።

    ሰብ መዚ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ዝመጽኦም ደሎ ደብዳባት ክምክትዎን ከምክንዎን ምዃኖም ሓቢሮም።

  8. ትራምፕ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ 'ኣዝዩ ኣቕሊሉ'ዩ ርእዩዎ'- ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን- ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን

    ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ብኽፋእ፡ ነቲ መኣዲ ድርድር ቦምባታት ደርብይሉ፡" ክብል ከሲሱ።

    ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጽሑፍ፡ ንኣዝዩ "ዝተሓላለኸ ኒዩክለራዊ ድርድር ኣቕሊሉ'ዩ ዝሕዞ ነይሩ -ከም ትራንዛክሽን ሪልስቴት፡" ብምባል "ዓበይቲ ሓሶታት ንክውንነት ክጐስዩ ከለዉ፡ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ፈጺሙ ክማላእ ኣይክእልን'ዩ፡" ይብል።

    "ውጽኢቱ? ካብ ጽልኢ ተበጊስኻ ኣብ መኣዲ ድርድር ቦምባ ምድርባይ፡"።

    ትራምፕ "ንዲፕሎማሲን ንዝመረጽዎ ኣመሪካውያንን ጠሊሙ፡" ክብል ጽሒፉ።

    ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራጋቺ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ መርከብ ኢራን ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ክትጥሕል ምስ ጀመረት ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ሲሪላንካ ንባሕረኛታት ኢራን ንምድሓን ከም ዝተላእኹን ሰብመዚ ሲሪላንካ ገሊጾም።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቪጂታ ሄራት ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብታ "ኣይሪስ ደና" እትበሃል መርከብ፡ ናይ ርድኡና ምልክት ከም ዝበጽሖም ተዛሪቡ።

    ኣብታ መርከብ 180 ሰባት ከም ዝነበሩ ይግለጽ።

    ሄራት፡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 30 ዝቘሰሉ ባሕረኛታት ናብ ወደብ ሲሪላንካ ጋለ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ ሓቢሩ።

    ጠንቂ ናይቲ ምጥሓል ኣይተፈልጠን።

    ሓደ ኣባል ባይቶ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ እታ መርከብ ከም ኣካል ናይቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይድኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ቦምባታት ተደብዲባ ድያ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ - ወግዓዊ መልሲ ግን ኣይተዋህበን።

  9. ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኢራን ክትሳተፍ ድያ? ተስፋ ኣፍሪቃ'ኸ እንታይ ይመስል?

  10. ኣብ ቀጠር ዝርከብ መደብር ኣየር ኣመሪካ ብሚሳይል ኢራን ተሃሪሙ

    ሚኒስትሪ ምክልለል ቀጠር፡ ኽልተ ባለስቲክ ሚሳይላት ኢራን ንሃገሩ ዒላማ ከም ዝገበሩ ገሊጹ።

    እቲ ሓደ፡ ብስርዓት ምክልኻል ኣየር ቀጠር ክብርዕን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ኣል-ዑደይድ ኣብ ዝርከብ መደብር ኣየር ኣመሪካ ከም ዝሃረመ ሓቢሩ።

    እዚ መደብር ኣየር፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ካብ ዘለውዋ እቲ ዝዓበየ እዩ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየለ ቀጠር ገሊጻ።

  11. እስራኤል፡ ኣብ መላእ ቴህራን ዝርከብ 'ቤት ጽሕፈት ጸጥታ' ኣጥቂዐ ትብል

    እስራኤል ኣብ መላእ ቴህራን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወተሃደራዊ ዒላማታት ከም ዝሃረመት ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንዋና ቤት ጽሕፈት ባሲጅ - ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰር ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ - ዒላማ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ፡ መወንጨፊ ሚሳይላትን ስርዓታት ምክልኻልን፡ ከምኡ'ውን "ምስ ናይ ምድራዊ ሓይልታት ናይቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር ዳይረክቶሬት ቀረብን ሎጂስቲክስን፡" ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እዩ ኢሉ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ስርዓት ኢራን "መጥቃዕቲ ከሐይሉ" ክቕጽል ምዃኑ ይገልጽ።

  12. ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ናብቲ ኲናት ተጐቲተን ክኣትዋ ድየን?

  13. ኣመሪካ፡ 'ኣተኵርኣ ንኹሉ ዘጥቅዓ ምጥቃዕ'ዩ'

    ነፋሪት ውግእ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰራዊት ኣመሪካ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓባራዊ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ኢራን ልዕሊ 2000 ዒላማታት ከም ዝወቕዐ ክገልጽ እንከሎ፡ ኢራን ልዕሊ 500 ባሊስቲክ ሚሳይላትን ልዕሊ 2000 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣወንጪፋ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽዑቕ መጥቃዕቲ ምፍጻመን ይቕጽላ ኣለዋ።

    ኣዛዚ ማእከላይ ትእዛዝ ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መግለጺ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታት ሓባራዊ ስርሖም ካብቲ ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝተመርሐ ኲናት ዒራቕ ዳርጋ ብዕጽፊ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

    እቲ ልኡኽ ልዕሊ 50 ሽሕ ወተሃደራት፡ 200 ነፈርቲ ውግእ፡ ክልተ መራኽብ ጽዕነት ነፈርትን ነፈርቲ ቦምባን ዘሳተፈ ኰይኑ፡ እዚ "ብኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ፡" እዩ ኢሉ።

    ሓይልታት ኣመሪካ 17 መራኽብ ኢራን ብምዕናው ንመላእ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከም ዝጥሓሉ ሓቢሩ።

    ሕጂ ድማ፡ "ኣተኵርኣ ንኹሉ ዘጥቅዓ ምጥቃዕ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ኣመሪካን እስራኤልን ንመከላኸሊ ኣየር ኢራንን ኣማኢት ባሊስቲክ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዒላማ ከም ዝገበራ ይገልጻ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን "ሰፊሕ ማዕበል መጥቃዕቲ" ትፍጽም ከም ዘላ ገሊጻ። ኣብ ሊባኖስ'ን ንሕዝቦላህ ተጥቅዕ ኣላ።

    ብተወሳኺ ምክልኻል ኣየር እታ ሃገር፡ ካብ ኢራንን ሊባኖስን ዝተተኰሱ ተወሳኺ ሚሳይላት ከም ዘበርዓነ ገሊጻ።

  14. ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ዜጋታተን እንታይ ይገብራ ኣለዋ?

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብተን ዜጋታተን ምስ ኢራን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመሪካ እስራኤልን ዝtጸልዋ ሃገራት ዝርከቡ ሃገራት፡ ብውሑስ ንምውጻእ ይጽዕራ ኣለዋ።

    ዓባይ ብሪጣንያ እትርከበ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይዳለዋ ኣለዋ።

    ኣውስትራልያ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፔኒ ቮንግ፡ ኣውስትራልያ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተዓጽዮም ዘለዉ 115 ሽሕ ኣውስትራሊያውያን ንምሕጋዝ ምስ መገዲ ኣየራት ትዘራረብ ከም ዘላ ሓቢራ።

    እንተዀነ መብዛሕትኡ ክሊ ኣየር ናይቲ ዞባ ተዓጽዩ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ምውጻእ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

    ፈረንሳ

    ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ፡ በቲ ኩነታት ዝተሃስዩ ኣስታት 400 ሽሕ ፈረንሳውያን ዜጋታት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ተጓዓዝቲ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክምዝገቡ ድሕሪ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ድማ፡ ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዝገቡ ገሊጹ።

    ጀርመን

    መንግስቲ ጀርመን፡ ወተሃደራዊ ምግዓዝ ናይ መወዳእታ መማረጺ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቶም ኣብቲ ዞባ በቲ ኩነታት ተጸልዮም ዘለው ኣስታት 30 ሽሕ ጀርመናውያን ናብ ዓዶም ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ዘለዎ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም እዩ ኢሉ።

    ኢጣልያ

    ካብ ኦማን ክወጽኡ ዘይክኣሉ 127 ኢጣልያውያን ዜጋታት ዝሓዘት ፈላመይቲ ቻርተር በረራ ብሰኑይ ኣጋምሸት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሮማ ፊዩሚቺኖ ዓሊባ።

    እቶም ናብ ሮማ ዝኣተዉ ተጓዓዝቲ፡ ንኽምለሱ ንዝሓገዞም ኤምባሲ ኢጣልያ ሞሳ ሂቦም።

    ስፔን

    ስፔን ዜጋታታ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ከተውጽእ ጀሚራ ምህላዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጆሴ ማኑኤል ኣልባረስ ብሰሉስ ገሊጹ።

    ኣመሪካ

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰኑይ ኣመሪካውያን ካብ ልዕሊ 12 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብቕልጡፍ ክወጽኡ ጸዊዑ እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ናይ ምምላስ በረራታት ብዛዕባ ምህላው ኣይገለጸን።

    ነፋሪት ኢመራት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  15. መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ዋሽንግተን መደበራት ኣየር ን"ምክልኻላዊ" መጥቃዕቲ ክትጥቀመሉ ምስ ፈቐደት፡ ቴህራን ካብ ካልኦት ሃገራት እንታይ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ዝብለ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።

    ብፍላይ ሩስያን ቻይናን ክልቲአን ምስታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳውን ወተሃደራውን ምትእስሳር ኣለወን።

    እንተዀ ናብዚ ግጭት ክሳብ ክንደይ ኢደን ከእትዋ ድልዋት እየን ዝብል የዘራርብ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን

    ምንጪ ስእሊ, SPUTNIK/KREMLIN POOL/EPA/Shutterstock

  16. ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ መደብር ሲኣይኤ ብድሮን ተሃሪሙ

    ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተሃርመ መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣረጋጊጾም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብኽልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተሃርመ መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣረጋጊጾም

    ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ (ሲኣይኤ) ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተሃረመ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ድሮናት ናይ ኣመሪካ'ዮም ዝብል ጥርጣረ ምህላው እውን ሓቢሩ።

    ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ከም ዝሃረማ ኣረጋጊጸን።

    እቲ ማእከል ስለያ ዒላማ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ግን ከም ዘይነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ።

    ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ እቲ መጥቃዕቲ ንገለ ክፋል ናሕሲ እቲ ኤምባሲ “ኣፈሪሱ” ነቲ ህንጻ ብትኪ “ከም ዝዓብለኾ፡" ዝገልጽ መጠንቀቕታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ዝበጽሓ ጸብጺባ።

    እቲ ኤምባሲ ብተወሳኺ "መዋቕራዊ ዕንወት" ከም ዝበጽሖን ሰራሕተኛታት "ኣብ ዘለውሉ ክዕቈቡ፡" ከም ዝተነግሮምን እታ ጋዜጣ ጸብጺባ።

    መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነታ ሃገርን ዜጋታታን ንምክልኻል ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት ከም ዝወስድ ገሊጹ።

    ካቢነ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ኢራን ንዝመጽእ ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ መሻርኽቱ ዝህብዎ ምላሽ “ንምድጋፍ ኩሉ ዓቕምታት ንምውዳብ ድሉው ምዃኑ” ኣረጋጊጹ ክብል መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሪያድ ንደቡብ ክልተ ክሩዝ ሚሳይላት ከም ዝዓገተ ሮይተርስን ኤኤፍፒን ሓቢሮም።

    ወግዓዊ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ፡ ትሽዓተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝፈሸላ ጸብጺቡ።

    ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ፈሺሎም ዝተባህሉ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካበይ ከም ዝተወንጨፉ ኣይገለጹን።

  17. ኣብ ኢራን ልዕሊ 1000 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

    ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (HRANA)፡ ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኢራን 1097 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

    ካብዚኦም እቶም 181 ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ምዃኖም እቲ ትካል ይሕብር።

    ቁጽሪ ናይቶም ዝቘሰሉ ሰባት 100 ህጻናት ዝርከብዎም 5,402 ከም ዝበጽሐ የመልክት።

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ ብውሕዱ 104 መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ይገልጽ።

    ወተሃደራዊ መዓስከራት፣ ማእከላት ሕክምናን መንበሪ ኣባይትን ከም ዝሃረሙ'ዉን ሓቢሩ።

    ሞት ተወሳኺ ኣማኢት ግዳያት ድማ ይግምግም ኣለኹ ኢሉ።

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ቀብሪ ኣብ ከተማ ሚናብ ደቀንስትዮ ኣብ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ናይ ዝሞቱ ግዳያት ብሰሉስ ተፈጺሙ።

    ሰበስልጣን ኢራን፡ እቲ ኣብ ጥቓ መደበር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 160 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጾም።

    ቢቢሲ ነዚ ኣሃዝ ሰብመዚ ኢራን ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

    ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ጸብጻባት ናይቲ ፍጻመ ይምርምር ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ይኹን ስርሒት ከም ዝተኻየድ "ኣይፈልጥን" ኢሉ።

    ስነ ስርዓት ቀብሪ ገለ እቶም ግዳያት ብሰሉስ ኣብ ሚናብ ተፈጺሙ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ስነ ስርዓት ቀብሪ ገለ እቶም ግዳያት ብሰሉስ ኣብ ሚናብ ተፈጺሙ
  18. መሓዙት ኢራን፡ ሩስያን ቻይናን ናበይ ኣተዋ?

  19. ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ

  20. ኣመሪካ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኤምባሲታታ ክትዓጹ ጀሚራ

    ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሪያድ

    ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከብ ሓያሎ ኤምባሲታታ ንግዚኡ ክትዓጹ ተገዲዳ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

    ኣብ ርእሰከተማ በይሩት (ሊባኖስ) ዝርከብ ኤምባሲ "ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃብ" ተዓጽዩ ኣሎ። "ኩሉ ስሩዕን ህጹጽን ቆንስላዊ ቆጸራታት ተዘሪዙ" ከምዘሎ'ውን እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

    እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዒላማታት ሕዝቦላህ ዝጀመረቶ ደብዳብ ትቕጽሎ ከምዘላ ይፍለጥ። ብፍላይ ደቡብ በይሩት ቀንዲ ግዳይ ናይቲ ዘየቋርጽ መጥቃዕቲ ኣየር ኮይኑ ትርከብ። ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሕዝቦላህ ንቴህራን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሮኬታት ድሕሪ ምውንጫፉ ሰራዊት እስራኤል ሓያል ግብረመልሲ ከምዝሃበ ይዝከር።

    ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ኩዌት ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቐዲማ ዓጽያቶ ነይራ እያ።

    እቲ ግዳይ መጥቃዕቲ ድሮን ኢራን ዝኾነ ኣብ ሪያድ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዝርከብ ኤምባሲ'ውን ብተመሳሳሊ ተዓጽዩ'ሎ።

    ብዘይካ'ዚ ሰራሕተኛታታ ካብቲ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ከምዘግዓዘት'ውን ኣመሪካ ኣፍሊጣ'ላ።